ሕልምና ሃገር ካብ ድኽነት ዘናግፍ ትውልዲ ምፍጣር ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ድሌትናን ሕልምናን ካብ ድኽነትን ፀገምን ዝተናገፈት ሃገር ዝፈጥር ትውልዲ ምፍጣር ኢዩ ኢሎም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ቀዳማይ ምዕራፍ ኢንዱስትሪ ፓርክን ገላን ጉራ ሎሚ መዓልቲ መሪቖም ከፊቶም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ ዓለም ብኢትዮጵያ እናተደነቐን እናቐንአን ኣብ ዝርከበሉ እዋን ዓይንና እንድሕር ዓዊሩ ንምዕባይ ክንፀገም ኢና ኢሎም፡፡
ሕድሕድ ኢትዮጵያዊ ርእሱ ክኢሉ ንካልኦት ኣሕዋቱ ክሕግዝ ዝኽእለሉ ደረጃ ክንዓቢ ኢና ንደሊ ክብሉ ገሊፆም፡፡
እዚ እንዕወት ኩሉ ኢትዮጵያዊ ክተሓባበር ከምዘለዎ ብምሕባር፥ እንተዘይሰሪሕና ሃገር ስለዘይትልወጥ ንኢትዮጵያ ብሓባር ንስራሕ ክብሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ኣብዚ ከባቢ ብዝተሰርሐ ስራሕ ጭቡጥ ለውጢ ከምዝመፅአ ብምግካፅ፤ ኣብ ካልኦት ከባቢታት እናሰራሕና እንትንከይድ ሃገር ይልወጥ ኢዩ ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡
ሓረስቶትን ድኻታትን ብምድርባይን ኢድ ዝሓሮም ብምግፋዕን ዝስራሕ ልምዓት ኣብ ዝኾነ ቦታ ኣይብፃሕን ኢሎም፡፡
ፀገምን ድኽነትን ሕማኽ ኢዩ፥ ናይ ሰብ ኢድ ምርኣይ ከምውልቀሰብን ከም ሃገርን ዘፅልእ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ካብዚ ወፂእና ርእስና ንምኽኣል ብምትሕብባር ምትጋህ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡
ብወንድማገኝ ፀጋዬ