ሕማም ኤም ፖክስ ከይዛመት ዝተዋደደ ፃዕሪ እናተገበረ ይርከብ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ሕማም ኤም ፖክስ (Mpox) ከይዛመት ብዕቱብ እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን፡፡
እተን ሚኒስትር ነቲ ጉዳይ ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ ከምዘበለኦ÷ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምምሕዳር ከተማ ሞያሌ ብሕማም ኤም ፖክስ ካብ ሞንጎ ዝተጠርጠሩ ሰባት ብዝተወሰደ ናሙና ክሳብ ሕዚ ናይ ሓደ ቤተሰብ ኣባላት ዝኾኑ ሰለስተ ሰባት እቲ ሕማም ተረኺቡዎም፡፡
እቲ ሕማም ንምክልኻን ንምክልኻልን ንቁፅፃርን ዝተጠናኸረ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ሕብረተሰብ ሓበሬታታት ብግቡእ ብምክትታል ንባዕሉን ስድርኡን ካብቲ ሕማም ንምሕላው ግቡእ ጥንቃቐ ክገብር ኣተሓሳሲበን።
ብኤም ፖክስ ዝተተትሓዘ ሰብ ብኣካላዊ ንኽክእ ወይም ድማ በቲ ሕማም ካብ ዝተትሓዙ እንስሳት ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ እንትኸውን÷ ብለበዳ መልክዕ ከጋጥም ከምዝኽእል እውን ኣመልኪተን፡፡
“ሽፍታ፣ ሰዓል፣ ረስኒ፣ ሕማም ርእሲ፣ ምሕባጥ ፅኪ፣ ምቑሳል ቆርበትን ድኻምን ከምኡ እውን ሕማም ጭዋዳን ኣዕፅምቲን ናይቲ ሕመም ምልክታት ኢዮም” ኢለን፡፡
ተቓላዕነት ይረኣየሎም ኢዩ ዝብሃሉ ቦታታት ብምፍላይ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ፣ ዶብ ከባቢታትን ኩሎም መውፅኢን መእተዊን ኬላታት ምርመራ ከምዝተጀመረ ዶ/ር መቅደስ ተዛሪበን፡፡
ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ዶ/ር መሳይ ሃይሉ ብግደኦም÷ እቲ ሕማም ከመዘጋጠመ ካብ ዝተረጋገፀሉ እዋን ጀሚሩ ግብረ ሓይሊ ብምጥያሽ ብትኹረትን ብምውዳድን እናተሰርሐ ምዃኑ ኣብሪሆም፡፡
ዜጋታት ዝተፀርሑ ምልክታት እቲ ሕማም እንትዕዘቡ ኣብ ጥቓኦም ናብ ዝርከብ ትካል ጥዕና ሪፖርት ንኽገብሩ ወይ ድማ ብሓፂር ፅሑፍ መልእኽቲ 8335ን ናፃ መስመር ስልኪ 952ን ሓበሬታ ንኽህቡ ፀዊዖም፡፡
ብግዛቸው ግርማዬ