Fana: At a Speed of Life!

ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ጣና ፎረም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን መድረኻት ቀንዲ ኣጀንዳ ኮይኑ እናቐረበ ይርከብ።

ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቁልፊ ኣጀንዳ ብሄራዊ ረብሓ ኮይኑ ካብ ዝቐረበሉ እዋን ጀሚሩ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተሳተፈትሎም መድረኻት ብወከልታ ኣቢላ ብዛዕባ እቲ ሕቶ በሪ ባሕሪን ዕላማኡን መብርሂ ክትህብ ፀኒሓ እያ።

ንኣብነት ኣብ ጉባኤ ብሪክስ፣ ኣብ ዘተ ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ኤደንን፣ ኣብ መድረኻት ሕብረት ኣፍሪካን ኢጋድን፣ ከምኡ እውን ኣብ ጉባኤ ሕቡራት መንግስታት ኢትዮጵያ ነቲ ጉዳይ ከም ኣጀንዳ ኣቕሪባቶ እያ።

ኣብዞም መድረኻት ኢትዮጵያ ነዚ ሕቶ ህላወን ኢኮኖሚን ብሰላማዊ መንገዲን ብመትከል ምሃብን ምቕባልን ንምፍፃም ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ እናብረሀት እንትትከውን፤ እቲ ሕቶ ተቐባልነት ክረክብ እውን ክኢሉ እዩ።

ብተመሳሳሊ “ኣፍሪካ ናብ ሰላም ዝወስዱ መንገድታት፣ ኢኮኖሚያዊ ሉኣላውነትን ምስግጋር ጂኦ-ፖለቲካን” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝተኻየደ መበል 12 ፎረም ጣና ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ከም ኣጀንዳ ተላዒሉ እዩ።

ኣብቲ መድረኽ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) በሪ ባሕሪ ዘይብልካ ሃገር ምዃን ንነዊሕ እዋን ኢኮኖሚያዊን ፀፅታዊን ስግኣት ከምዝፈጥር ብምፅራሕ ድሌት በሪ ባሕሪ ነታ ሃገር ጉዳይ ህልውና ምዃኑ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ድሌታ ንምዕዋት እትገብሮ ፃዕሪ ብዘተ፣ ብሰላማዊ መገዲን ኣብ መትከል ሓባራዊ ረብሓን ዝተመስረተ ኣገባብ እናጠናኸረት ከምእትቕፅል ኣረጋጊፃ።

ካብዚ ብተወሳኺ ጉዳይ ፀፅታ ቀይሕ ባሕሪ ናይ ውሑዳት ገምገም ባሕሪ ዘለወን ሃገራት ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ናይቲ ዞባን ናይ ካልኦት ሃገራትን ሓባራዊ መሰልን ሓላፍነትን ምዃኑ ተላዒሉ።

በዚ ድማ ገምገም ባሕሪ ዘለወንን ዘይብለንን ሃገራት ብሓባር ዝሰርሓሉ ስምምዕነት ምትሕብባር ፀፅታ ከምዘድሊ ኣብ መድረኽ ፎረም ጣና ትኹረት ተዋሂብዎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሕቶ በሪ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ መራሕቲ ኣፍሪካን ምሁራትን ዘቕረብዎም ቃላት ቆራፅነት ሰላምን ኣማራፅታት ፖሊሲን ናብ ጭቡጥ ተግባር ንምቕያር ኣብ ስምምዕነት ተበፂሑ።

Bottom of Form

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብሚኪያስ ብየለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.