Fana: At a Speed of Life!

መልእኽቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)፡-

ኢትዮጵያ ምብራኽ ዝጀመረትሉን ዓብዩ ግድብ ህዳሰ ዝተመረቐሉን እዋን ንዝኽበር ሓዱሽ ዓመት እንዃዕ ኣብፀሐኹም፡፡

ዝሓለፈ ዓመት ፈጣሪ ኣብ ጎንና ኮይኑ ዓወት ኣብ ኣፍደገ ገዛና ዝረኣናላ ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣መዓድንን፣ ማኑፋክቸሪንግን ኣይሲቲን ዘመዝገብናዮም ዓወታት ነዙይ ዝምስክሩ እዮም።

ኢትዮጵያ ትኣክል ሃገር ፣ ኢትዮጵያዊያን ዝኣክል ህዝቢ ሒዝና ብትግሃት እንተሰሪህና፣ ልዕሊ እዙይ ክነዕውት ከምንኽእል ምስኽርና ዓብዩ ግድብ ህዳሰ እዩ፡፡

ዝሓለፈ ዓመት ፈጣሪ ኣብ ጎንና ኮይኑ ዓወት ኣብ ኣፍደገ ገዛና ዝረኣናላ ዓመት እዩ ነይሩ። ኣብ ዓውዲ ሕርሻ፣ ቱሪዝም፣መዓድንን፣ ማኑፋክቸሪንግን ኣይሲቲን ዘመዝገብናዮም ዓወታት ነዙይ ዝምስክሩ እዮም።

ኢትዮጵያ ትኣክል ሃገር ፣ ኢትዮጵያዊያን ዝኣክል ህዝቢ ሒዝና ብትግሃት እንተሰሪሕና፣ ልዕሊ እዙይ ክነዕውት ከምንኽእል ምስኽርና ዓብዩ ግድብ ህዳሰ እዩ፡፡

ካብ እዋን ጥንሲ ኩሉ እቲ ኣፀጋሚ ናይ መወዳታ ሰዓታት ኣዝየን ፈተንቲን እየን ይበሃል፡፡ኣብ ልቢ ህዝቢ ንዘመናት ዝተጠነሰ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝውለድ ብዙሓት ፈተናታት ምስጋር ግድን ነይሩ፡፡

ብዙሕ ኣፀገምቲ እዋን ክሓልፍ ይግባእ ነይሩ። ብዙሕ ዘስካሕክሕ ብድሆታት ንምስጋር ወሳኒ እዩ ነይሩ።

ብፍላይ ኣብ ናይ መወዳእታ ግዘታት መዓንጣና ሸጥ ኣቢልና፣ ሓሞትና ኣትሪርና፣ንሞት ክንስዕር ግድን ዝኮነሉ እዋን ነይሩ። ምስ ፈጣሪ፣ ፅንዓት ህዝብና፣ ሓይሊ ሰራሕተኛታት ፕሮጀክትን ከምኡ እውን ብመስዋእቲ ኣባላት ፀጥታና እዚ ኩሉ ሓሊፉ ንምረቓ በቒዑ፡፡

እዙይ ናይ ሽሕ ዓመት ጉዕዞና መበገሲ እምበር መዕለቢ ኣይኮነን። መፈለምታ እምበር መወዳእታ ኣይኮነን። ንሕና ብዓቕሚን ቕዋምን ተተደሚርና፣ ሃገርና ብዓል ብዙሕ ፀጋ እያ፡፡ ንኣፍሪካን ዓለምን ዝተርፍ ታሪኻዊ፣ ባህላዊ፣ ሃይማኖታዊ፣ ተፈጥሮኣዊ ፀጋታት ኢትዮጵያ ጋህዲ ኮይኑ እዩ፡፡

2018 ብራኸ ኢትዮጵያ ብዝበለፀ መሰረት እነንብረሉ ዓመት እዩ። ብሓደ ኢድና ብድሆታትና እናገጠምና ንካሊእ ኢድና ድማ ታሪኽና እናቐየርና ክንጊዓዝ ኢና፡፡

ኣሞራ ካብ መሬት ክለዓል ብዙሓት ኣዕዋፍን ነፍሳታትን ሓቢሮም ክልኣሉ ይኽእሉ እዮም፡፡ ንዝተወሰነ ግዘ እውን ሓቢሮም ክነፍሩ እዮም፡፡ ንዝተወሰነ ግዜ ክሽፍንዎ ይኽእሉ። ብዝለዓለ መጠን ናብ ላዕሊ እንትበፅሕ ግን ብዙሓት ኣብ ታሕቲ ይተርፉ፡፡ ኣብ መወዳእታ ኣሞራ ኣብ ሰማይ ኮይኑ ናይ ኹሎም ታሪክ እናረኣየ ብዓወት ጉዕዝኡ ይቕፅል፡፡

ንሕና እውን ኢትዮጵያ ንወጋሕታን ምሕምባብን የድልየና፡፡ 2018 ናይ ኢትዮጵያ ኣባይነት ብዝበለፀ እናወግሐ፣ ብዝበለፀ እናበርሀ፣ ብዝበለፀ እናዓምበበ ዝኸደሉ ኢዩ፡፡

ግድብ ህዳሰ ኣብ ዝረኣና ቁፅሪ ናይ ኢትዮጵያ ኣይብዳህን በሃላይነትን ምኽኣል ነስተውዕል፡፡ እቲ ቃላይ ኣብ እንሪአሉ እዋን ድማ ወጋሕታ ኢትዮጵያ ንሓስብ፡፡ “ቃላይ ንጋት” ዝተብሃለ እውን ነዚ ኢዩ፡፡ እቲ ግድብ ክሳብ ሕዚ ዝነበረ ይዛረብ ኢዩ፡፡ እቲ ቃላይ ድሕሪ ሕዚ ዝመፅእ የብስር፡፡

ኣሞራ ምስ ንእሽተይን ዓብዪን ብዝኾነ ዘይኮነ ኣይከራኸርን፤ ኣይዘራረብን እውን፡፡ ንላዕሊ ብዝተሓምበበ ቁፅሪ ፈተናኡ እናነከየ፣ ዓቕሙ እናወሰኸ፣ ታሪኹ እናተቐየረ ከምዝኸይድ ይፈልጥ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ካብ የማንን ፀጋምን ዝውርወር እናኸኣለ ንላዕሊ ይሕምበብ፡፡ ንሕና እውን ንላዕሊ ክብ ብዝበልና ቁፅሪ ፈተናና እናተረፈ፣ ዓወትና እናወሰኸ ከምዝኸይድ ፈሊጥና፣ ኣእምሮናን ኣእዳውናን ኣብ ስራሕ ክነሕላፍ ኣለና፡፡

ንኢትዮጵያ ዝቕይሩ ደቃ ቅልጣፈን ፈጠራን ኢዩ፡፡ ኣባይ ታሪኽ ዝቐየረ ስራሕ ኢዩ፡፡ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝቕየር እውን ስራሕ ኢዩ፡፡

በቢሩኡ፣ በቢሕርሻኡ፣ ኣብ በቢግንባሩ፣ በቢትካላት፣ ኣብ በቢ ኣቢያተ ትምህርቲ፣ ኣብ ትካላት ዘለና ኢትዮጵያውያን ኩልና ልብና፣ ሓሳብና፣ ፍልጠትናን ጉልበትናን ንምዕባለ ኢትዮጵያ ነውዕሎ፡፡

እንትንሰርሕ እንታይ ከምንልውጥ ኣብ ግድብ ህዳሰ ርኢና ኢና፡፡ ንሕና ንዓወት እንትንረባረብ ፈጣሪ ክንደይ ዝኣክል ከምዝሕግዝ ንሕና ምስክራት ኢና፡፡

ናይ ሺሕ ዘበናት ሕቶ ንኽንምልስ ሓይሊ ዝሃበ ፈጣሪ፣ ናይ ዓመታትን ኣዋርሕን ሕቶ ንምምላስ ኣይኣብዮን፡፡ 2018 ዓመት እዚ ብዝበለፀ እነረጋግፀሉ ከምዝኸውን የኣምን፡፡

ሎሚ አዒንትና ዝረኣዩዎ ንምርኣይ፣ ኣእዛንና ዝሰምዑዎ ምስማዕ ንኽኽእሉ መስዋእትነት ንዝኸፈልኩም ኩሉኹም ኢድ ንነስእ፡፡

ብኹሉ መዳይ ዝተሳተፍኩም ኩልኹም ኢትዮጵያ ተኽበረኩም፡፡

ኣብ ጎንና ዝነበርኩም ፈተውቲ ሃገራትን ህዝቢታትን ብሽም ኢትዮጵያ ነመስግነኩም፡፡ ዕቤትን ምዓባለን ውፅት ቅብብል ኢዩ፡፡

ዝጀመርኩምዎ፣ ዘቐፀልኩምዎ፣ ንፍፃመ ዝተቓለስኩም ስምኩም ኣብ ግድብ ህዳሰ ፅሒፍኩም ኢኹም፡፡ ብገንዘብ፣ ብፍልጠት፣ ብጉልበት፣ ብሚዲያ፣ ብዲፕሎማሲ፣ ብሞያ፣ ወዘተ. ትኽሉዎ ዘበርከትኩም ኩልኹም ናይ ቁርፂ እዋን ደቂ ኢትዮጵያ ብምዃን ኣብ ታሪኽ ሰፊርኩም ኣለኹም፡፡

እዚ ተጋድሎኹም፤ እዚ ምትሕብባርና፤ እዚ ንብሄራዊ ረብሓ ብሓድነት ጠጠው ምባልና፤ እዚ ንባዕልና፣ ባዕልና፣ ካብ ባዕልና ምስራሕ ፅባሕ እውን ክቕፅል ኣለዎ፡፡ ኢትዮጵያ ልዕሊ እዚ ይግባኣ፡፡ ኢትዮጵያ ልዕሊ እዚ ዓበይቲ ስራሕቲ ይፅበዩዋ ኣለዉ፡፡ እዚ ድማ ሓቢርናን ተሓባቢርናን ክነዕውቶ ይግባእ፡፡

ሓዱሽ ዓመት ብራኸ ኢትጵያ ብዝበለፀ መሰረት ዝሕዘሉ ከምዝኸውን የኣምን፡፡

ደጊመ ርሑስ ሓዱሽ ዓመት ይኹን

ኢትዮጵያ ብፃዕሪ ደቃ ተሓፊራን ተኸቢራን ንዘላለም ትንበር!!

ፈጣሪ ንኢትዮጵያ ህዝባን ይባርኽ!

5 ጳጉሜን 2017 ዓ.ም

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.