መመሓየሺ ፕሮጀክት ናብራ ቆላማ ከባቢታት ትርጉም ዘለዎ ለውጢ እናምፀአ ይርከብ – ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር መስኖን ቆላማ ከባቢን ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር)መመሓየሺ ፕሮጀክት ናብራ ቆላማ ከባቢታት ኣብ ማሕበረሰቡ ህይወት ትርጉም ዘለዎ ለውጢ እናምፀአ ይርከብ ኢሎም።
ኣብ ክልል ዓፋር ዝተተግበሩ ፕሮጀክታት መመሓየሺ ናብራ ሰበኽ ሳግም ሎሚ መዓልቲ ተመሪቖም።
እቶም ሚኒስትር ምስ ርእሰ ምምሕዳር ዓፋር ኣወል ኣርባ ብምዃን ኣብቲ ክልል ዝተሰርሑ መመሓየሺ ፕሮጀክት ናብራ ቆላማ ከባቢታት ስራሕቲ ልምዓት ተዘዋዊሮም ተመልኪቶም።
ኣብርሃም በላይ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ቆላማ ከባቢታት ዝትግብሮም ፕሮጀክታት መመሓየሺ ናብራ ህይወት ዜጋታት ብቐጥታ ምምሕያሽ ተኻኢሉ።
ዕላማ እቶም ፕሮጀክታት ኣብ ቆላማ ከባቢታት ዝርከቡ ሰበኽ ሳግም ማሕበረሰባት ህይወት ንምምሕያሽ ዝሕግዙ ተግባራት ምጥንኻር ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ክልል ዓፋር እውን እቲ ፕሮጀክት ብስፍሓት ተግባራዊ ካብ ዝተገበረሎም ከባቢታት ሓደ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ብምንተስኖት ሙሉጌታ