Fana: At a Speed of Life!

መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ዝተጣየሻሉ ሕጊ ኢትዮጵያ ናይ ምኽባር ግቡእ ኣለወን – ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ዝተጣየሻሉ ሕጊ ኢትዮጵያ ናይ ምኽባር ግቡእ ኣለወን ኢሎም ሚኒስትር ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትር ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት፡፡

በዓል መዚ መራኸብቲ ሓፋሽ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ዝገበሮ ውፅኢት ክትትልን ገምጋምን ትሕዝቶ ፈነወ መርሃ ግብሪ ዕላዊ መግበሪ ኣሰናዲኡ።

ሙኣዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ መብዛሕተኦም መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ኣብ መምርሒ ዝተመስረተ ሃይማኖታዊ ትሕዝቶ ይሰርሑ ኣለዉ።

ይኹን እምበር ዝተወሰኑ እኩይ ዕላማ ዘለዎም መራኸብቲ ሓፋሽ ናይ ካልኦት ሰናይ ስራ የበላሽዉ ኢሎም።

መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ዝሰርሑ ብሕጊ ኢትዮጵያ ከምዝኾነን ናይ ምኽባር ግቡእ ከምዘለዎምን ኣተሓሳሲቦም።

ትካላት እምነት ዶብ ተሳጋሪ ከምዝኾኑ ብምሕባር÷ ነገር ግን ዶብ ሃገርን ሉኣላዊነትን ከምዘለዎም ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያን ወፃኢን ዝርከቡ ተመሳሳሊ እምነት ዝኽተሉ ሰባት ዝሕተቱ ብናይ ባዕሎም ሃገር ሕጊ ጥራሕ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ንኽጣየሸ ዝተሓተተ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ንምስራፅ ይፈቐደልና ብዝብል ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ካብ ዝተጣየሻሉ ዕላማ ወፃእ ምስራሕ ሕጊ ምጥሓስ ኢዩ ኢሎም።

መራኸብቲ ሓፋሽ ትካላት ሃይማኖት ሓበራዊ ሕብረት ብምፍጣር ዝተወደበ ሕቶ ከምዝኽእሉ ብምግላፅ÷ መንግስቲ እቲ ሕብረት ንምምስራት ኣድላዪ ሓገዝ ክገብር ኢዩ ግዜኢ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.