Fana: At a Speed of Life!

መንግስቲ ተግባራዊ ብዝገበሮ መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ታሪኽ ንግዲ እታ ሃገር ዘይተራእየ ዓወት ተመዝጊቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ተግባራዊ ብዝገበሮ መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ታሪኽ ንግዲ እታ ሃገር ዘይተረኣየ ዓወት ተመዝጊቡ ኢሉ ሚኒስቴር ንግድን ዞባዊ ምትእስሳርን።

መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ወጣኢ ንግዲ ዝርከብ እቶት ኣዝዩ ዝለዓለን ታሪኻዊን ዕቤት ንኽመዝግብ ምኽንያት ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ በጀት ዓመት 2018 ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ 11 ነጥቢ 2 ቢልዮን ዶላር እቶት ብምርካብ 119 ነጥቢ 14 ሚእታዊ ሸቶኣ ክትውትን ክኢላ።

ኣብ መጀመርታ እቲ በጀት ዓመት ካብ ወፃኢ ንግዲ 9 ነጥ 40 ቢልዮን ዶላር እቶት ንምርካብ ተወጢኑ ዝነበረ ይኹን እምበር፤ ኣፈፃፅምኡ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ኣዝዩ ብምዕባዩ 11 ነጥቢ 2 ቢልዮን ዶላር ክበፅሕ ክኢሉ።

ዓውዲ መዓድን ድማ 5 ንጥቢ 07 ቢልዮን ዶላር እቶት ብምምዝጋብ 152 ነጥቢ 75 ሚእታዊ ካብ ትልሙ ብምፍፃም ቀዳማይ ደረጃ ሒዙ ኣሎ።

ካብ ፍርያት ሕርሻ 3 ነጥቢ 83 ቢልዮን ዶላር እቶት ዝተረኸበ ኮይኑ፤ እዚ ድማ 90 ነጥቢ 01 ሚእታዊ ካብ ትልሚ ከምዝሸፈነ ተሓቢሩ።

ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ተወሳኺ 493 ነጥቢ 55 ሚልዮን ዶላር እቶት ወይ 93 ነጥቢ 80 ሚእታዊ ኣፈፃፅማ ከምዘመዝገበ ተገሊፁ።

ኣብ መዳይ ዓውዲ ኤሌክትሪክ ካልኦት ዓውዲታትን ድማ 425 ነጥቢ 45 ሚልዮን ዶላር እቶት ከምዘምፅኡ ተገሊፁ።

ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2018 ምስ ተመሳሳሊ እዋን 2017 እንትነፃፀር፤ ኣብ ኩሎም ዘርፍታት ተስፋ ዝህብ ዕቤት ከምዘርአ ተገሊፁ።

ዓውዲ መዓድን 2 ነጥቢ 1 ቢልዮን ዶላር (71 ነጥቢ 18 ሚእታዊ) ዝኾነ ልዑል ወሰኽ ከርኢ ከሎ፣ ዘፈር ሕርሻ ድማ 238 ነጥቢ 24 ሚልዮን ዶላር (6 ነጥቢ 64 ሚእታዊ) ዕቤት ከመዝግብ ክኢሉ።

ከምኡ እውን ዘፈር ማኑፋክቸሪንግ 45 ነጥቢ 68 ሚልዮን ዶላር ወሰኽ ከርኢ እንከሎ፣ ዘፈር ኤሌክትሪክን ካልኦት ዘርፍታትን ድማ 115 ነጥቢ 41 ሚልዮን ዶላር (37 ነጥቢ 22 ሚእታዊ) ወሰኽ ከምዘርኣዩ ተገሊጹ።

ነዚ ታሪኻዊ ዕቤት እቶት ወፃኢ ንግዲ ንምምዝጋብ ውፅኢታዊ ኣተገባብራ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ቀንዲ ምኽንያት ከምዝኾነ ይፅራሕ።

ምትእስሳር ዕዳጋን ፖሊሲን፤ ኢትዮጵያ መምርሒ ናፃ ንግዲ ዞባ ኣፍሪካ ብምፅዳቕን ኣብ ተግባር ብምውዓልን ኣብ ኣህጉር ዝርከብ ዕዳጋዊ ጠለብ ንኽትጥቀመሉ ዕድል ከምዝረኸበት እውን ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.