መዓልቲ ሙዚየም ዓለም ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ይኽበር ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መዓልቲ ሙዚየም “ሙዚየማት ዝተኸፋፈለት ዓለም የወሃህድ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ይኽበር ኣሎ፡፡
ብብርኪ ዓለም ንመበል 49 ግዘ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ንመበል 24 ግዘ እናተኸበረ ዝርከብ መዓልቲ ሙዚየም ዓለም በዓል መዚ ቅርስታት ኢትዮጵያ ምስ መዘከርታ ዓወት ዓድዋ ብምትሕብባር ዝተዳለወ እዩ።
ኣብቲ መድረኽ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ቱሪዝም ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቢኒያም ታዬ÷ ሙዜየማት ሕሉፍ ምስ ህሉው ዘራኽብ ድልድላት ምዃኑ ገሊፆም።
ኣዲስ ኣበባ ቅርስታት ብምልማዕ ብምውህሃድን መስሕብ ንክኾኑ እናተሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሆም፡፡
ምክትል ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ቅርስታት ኢትዮጵያ ኤልያስ ሹኩር ብወገኖም፤ ሙዚየማት ባህልን ህዝብን ንምቅርራብ ልዑል ተራ ኣለዎም ኢሎም፡፡
ብቅድስት ኣባተ