መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ዝፍተና ዘለዋ ጓል 65 ዕድመ ኣዶ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሓምለ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ማእኸል ፈተና ዩንቨርስቲ ኣርሲ ይወሃብ ኣብ ዘሎ መዛዘሚ ፈተና 12 ክፍሊ ይፍተኑ ካብ መንጎ ዘለዉ ተምሃሮ ጓል 65 ዕድመ ኣዶ ወ/ሮ ታሪኳ ኣያሌው ሓንቲ ኢየን።
ኣብ ዞባ ኣርሲ ወረዳ ኣሰኮ ዝተወለዳ እተን ኣዶ፥ ጠንኪርካ መስራሕ እንተተኻኢሉ ሸቶኻ ምዕዋት ይከኣል ኢዩ ይብላ።
ወ/ሮ ታሪኳ፥ ብኣግባቡ ተማሂረንን መድላው ገይረንን ነቲ ፈተና ይፍተና ከምዘላዋ እውን ሓቢረን።
ባህጊ ልበን ንምዕዋት ዕድመ ከምዘይግድበን ድና ንፋና ሚዲያ ኮርፖሬሽን ተዛሪበን።
ትምህርቲ ብዕድመ ክግደብ ከምዘይግባእ ብምግላፅ፥ ኩሉ ሰብ ብዝረኸቦ ኣጋጣሚ ኣብ ትምህርቲ ጠመተ ንክገብር ምዒደን።
ብኣብደላ ኣማን
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!