Fana: At a Speed of Life!

መደመር ብሄራዊ ምርድዳእን ዘላቒ ልምዓትን ዝሃንፅ ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

አዲስ አበባ፣ ነሐሴ 6፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣም ፋራህ ኣምር መደመር ብሄራዊ ምርድዳእን ዘላቒ ልምዓትን ዝሃንፅ ኢዩ ኢሎም፡፡

መበል 12 ጉባኤ ፓርቲታት ፖለቲካ ኣፍሪካ ኣብ ጋና ኣክራ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብ መኽፈቲ እቲ ጉባኤ መደረ ዘስምዑ ኣይተ ኣደም ፋራህ ከምዝበሉዎ፤ ናይ ብዙሓት ሃገራት ፖለቲካ ንነዊሕ እዋን ዝምራሕ ብሽርሒ ስልጣን፣ ናይ ሓፂር ግዘ ኣጀንዳታትን ንሕንሕን ብምዃኑ ጉልበት ሃገር እናፀንቀቐ ይርከብ።

ፖለቲካዊ ትካላት ከከምናቶም ድሌት እንተይኮነስ ንኩሉ ዘካትት፣ ዝማእበላን ሰላም ዝዓሰለንን ሃገራት መሳርሒ ክኾና ኣለወን ኢሎም፡፡

ውድብ ፓርቲ ብልፅግና ውህደት ኮይኑ ጥራሕ ዝተወለደ እንተይኮነስ ንፖለቲካዊ መመሓየሺታት ማእኸል ዝገበረ ፓርቲ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣምር ‘መደመር’ ብሓድነት፣ ሓበራዊ ኣስተዋፅኦን ሓበራዊ ዕላማን ኩለመዳይ ብልፅግናን ጉዕዞና ዝውክል ኢዩ ኢሎም።

እቲ ፓርቲ ኣባላት ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ኣብ ኩሎም ብርኪታት ምምሕዳር ብምክታት ክሰርሑ ከምዝገበረ ኣልዒሎም።

መደመር ብሄራዊ ምርድዳእ ስለዝፈጥር፣ ብሄራዊ ምርድዳእ ድማ ሓድነ፣ ምርግጋእን ዘላቒ ልምዓትን ዝሃንፅ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኩሎም ብሕጋዊ መገዲ ዝተመዝገቡ ፓርቲታት ፖለቲካ ገዛኢ ይኹን ተናሓናሕቲ ኣብ ሓደ ብምእካብ ናብ ቀዋሚ መድረኽ፣ ምኽክርን ሓበራዊ ምርድዳእን ዝተመስረተ ሓበራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ፖለቲካ ከምዘጣየሸተ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.