ሚኒስቴር ጥዕና ብምኽንያት መዓልቲ ህብር ናፃ ኣገልግሎት ሕክምናን ምርመራን ሂቡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ሚኒስቴር ጥዕና ሎሚ ዕለት እናተኸበረ ዝርከብ መዓልቲ ህብር ኣመልኪቱ ናፃ ኣገልግሎት ሕክምናን ምርመራን ሂቡ።
ሚኒስትር ጥዕና ዶ/ር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን ከምዝበልኦ፤ 4 ጳጉሜን መዓልቲ ህብር እናኸበርና ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ብምሕላው ኢትዮጵያ ናብ ልዑል ብራኸ ንምስጋር ኩላትና ብሓባር ደው ክንብል ይግባእ።
ኣብ መስቀል ኣደባባይ ኣብ ዝተኻየደ ናፃ ኣገልግሎት ምርመራን ሕክምናን፣ 30 ናይ ውልቀን 15 ናይ መንግስትን ትካላት ጥዕና ተሳተፍቲ ኮይነን።
ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዓይኒ፣ እዝኒ፣ መዓንጣ፣ ቆርበት፣ ውሽጢ ደዌ፣ መጥባሕቲ፣ ማህፀን፣ ካንሰር፣ ላቦራቶሪን ዲያግኖስቲክስን ነፃ ኣገልግሎት እናተዋህበ ይርከብ።
ብምኽንያት መዓልቲ ህብር ኣብ ዝተዳለወ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ወለንታውያን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ጥራሕ ኣብ ሓደ መዓልቲ ንልዕሊ 10 ሽሕ ሰባት ኣገልግሎት ከም ዝወሃብ ተገሊፁ ክብል ካብ ሚኒስቴር ጥዕና ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።