Fana: At a Speed of Life!

ምስ ትንበያ ዕብየት ኢኮኖሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተቐራረበ ትንበያ ኣይ ኤም ኤፍ ምስ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምቲ 8፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)መንግስቲ ኢትዮጵያ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ኣብ በጀት ዓመት 2019 ብ10 ነጥቢ 2 ሚእታዊ ከም ዝዓቢ ዘቐመጦ ግምት ምስ ትንበያ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ (ኣይ ኤም ኤፍ) ኣዝዩ ዝተቐራረበ እዩ።

ኣይ ኤም ኤፍ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2026 ዕላዊ ኣብ ዝገበሮ ትንበያ ዓለም ለኸ ኢኮኖሚ መሰረት፤ ሓፈሻዊ ዕብየት ውሽጢ ሃገር (GDP) ኢትዮጵያ 9 ነጥ 2 ሚእታዊ ክኸውን ከም ዝኽእል ተንብዩ ኣሎ።

እዚ ሓበሬታ ምስቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቐመጦ ናይ 10 ነጥቦ 2 ሚእታዊ ግምት ኣዝዩ ዝተቐራረበ ምዃኑ፤ ናይታ ሃገር ቅልጡፍ ኣንፈት ዕብየት ኢኮኖሚ ኣብ ግምት ዝኣቱ ምዃኑ ብግልፂ የርኢ።

ምቅርራብ እቶም ትንበያታት መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዘካየዶም ስራሕቲ ልምዓት ዝርከብ ዓወት ዘርኢ እዩ።

ኣብ ዘፈር ሕርሻ ዝተኻየዱ ምምሕያሻት መፍረያይነት፣ ኣተገባብራ ስትራተጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ፣ ከምኡ እውን ከም ዓቢ ግድብ ሕዳሴሰኢትዮጵያን ካልኦት ዓበይቲ ሜጋ ፕሮጀክትታት ልምዓትን፣ ንምስፋሕ ኢኮኖሚ ልዑል ኣስተዋፅኦ ይገብሩ ኣለዉ።

መንግስቲ ኣብ ሃገራዊ ትልሚታት ልምዓቱ ዘቐመጦም ሸቶታትን ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ዘቐመጦ ናይ 9 ነጥቢ 2 ሚእታዊ ግምትን ኣዝዮም ምቅርራቦም፤ ምምሕያሽ ፖሊሲታት ማክሮ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ብትኽክለኛ ከይዲ ኣፈፃፅማ ይካየዱ ከም ዘለዉ ዘረጋግፅ እዩ።

ኣብ መንጎ እቶም ክልተ ትንበያታት ዘሎ ፍልልይ ምፅባቡ ብዛዕባ ኣንፈት ዕብየት ቁጠባ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዓይነት ረብሓ ኣለዎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘቐመጦ ትንበያ ዕብየት ኢኮኖሚ ትንበያታት ወፃኢ ትካላትን ምቅርራቦም፤ ዓለም ለኸ ሰብ ሃፍቲ ኣብ ዕዳጋ እታ ሃገር ዘለዎም እምነት ንኽውስኽ ይገብር።

ካብዚ ብተወሳኺ ዓቕሚ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ምስ ናይ ወፃኢ ግምታት ዝተቐራረበ ምዃኑ፤ ኣብ ኣፈፃፅማ ፖሊሲታት ዘሎ እምነት ብምጥንኻር ቀጥተኛ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምስሓብ ቁልፊ ኣበርክቶ ይገብር።

ቁጠባ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 9 ነጥቢ 2 ሚእታዊ ዕብየት ዘመዝገበ ኮይኑ፤ ሕዚ እውን እቲ ዕብየት ኣጠናኺሩ ዝቕፅል እንትኸውን፤ እዚ ድማ ንቅልጡፍን ዘላቒን ሃገራዊ ምዕባለ መሰረት የንብር።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

ብቴዎድሮስ ሳህለ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.