ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ ኣቦ መንበር ቦርድ ሲኣይኤፍኤፍ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ምስ መስራቲን ኣቦ መንበር ቦርድን ችልድረን ኢንቨስትመንት ፈንድ ፋውንዴሽን (ሲኣይኤፍኤፍ) ሰር ክሪስቶፈር ሆን ተዛቲዮም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ሰር ክሪስቶፈር ሆን ኢትዮጵያ ብስትራቴጂ ምግቢን ስርዓተ ምግቢን፣ ኣብ ሰቆጣ ቃል ኪዳን፣ ግሪን ኢነርጂ፣ ጥዕና ኣዶታት፣ ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን እናሰርሐቶ ትርከብ ስራሕ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ነጊሮምኒ ኢሎም።
ኣብዞም ጉዳያት ሲኣይኤፍኤፍ ሓገዝ ከምዘጠናኽር እቶም ኣቦ መንበር ቃል ምእታዎም ብምሕባር፤ እቲ ትካል ህዝቢ ተረባሒ ዝገብሩ ብፍላይ ኣብ ቀረብ ፅሩይ መስተ ማይን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ናይ ምስራሕ ድሌት ከምዘለዎ ገሊፆም ክብሉ ኣብሪሆም፡፡
ካብዚ ብተወሳኺ እቶም ኣቦ መንበር ሃገር በቆል ሪፎርም ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣዚዩ ከምዘደነቖም ተዛሪበቦም።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!