Fana: At a Speed of Life!

ምድላው ሆቴላት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ቀፃሊ ንዝካየዱ ዓለም ለኸ ጉባኤታት …

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሆቴላት ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጳጉሜንን መስከረምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝካየዱ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉባኤታት ኣድላዪ ምድላው እናገበራ ይርከባ ኢሉ ማሕበር ወነንቲ ሆቴላት ኣዲስ ኣበባ፡፡

ቅነ ክሌማዊ ለውጢ ሕቡራት መንግስታት፣ 2ይ ጉባኤ ክሌማዊ ለውጢ ኣፍሪካን 2ይ ጉባኤ መራሕቲ ካሪቢያንን ኣፍሪካን ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ጳጉሜንን መስከርምን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየዱ ኢዮም፡፡

ፕሬዚዳንት እቲ ማሕበር ወ/ሮ ኣስቴር ሰለሞን ንፋና ዲጂታል ከምዝበሉዎ÷ ሆቴላት እታ ከተማ ኣብቲ ጉባኤ ንዝሳተፉ ኣጋይሽ ዝምጥን ኣገልግሎት ንመሃብ ብትኹረት እናሰርሑ ይርከቡ፡፡

ሆቴላት ባህሊ ምቕባልጋሻ ኢትዮጵያ ዝተላበሰን ዘበኑ ዝጠልቦን ኣልግሎት ንመሃብ ብቖራፅነት እናሰርሑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

ኣገልግሎታት ደረጃኦም ዝሓለዉን ባህሊ ኢትዮጵያ ዘንፀባርቑን ንኽኾኑ ልዝብን ክትትል እናተገበረ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ብፍላ ደማ ተዳተፍቲ እቲ ጉባኤ ኣብ ፃንሒቶም ዘይርሳዕ ግዘ ንኸሕልፉ ስርዓት ኣፈላልሓ ቡን፣ ባህላዊ ምግቢታት፣ ባህላዊ ጭፈራታትን ካልኦትን ንኣጋሽ ንምፍላጥ ምድላው ተጀሚሩ ኣሎ ኢሎም፡፡

ሆቴላት ኣብቲ ጉባኤ ተሳተፍቲ ኣጋይሽ ንዝህቡ ኩለመዳይ ኣገልግሎት ካብ 30 ክሳብ 40 ሚኢታዊ ዝበፅሕ ምንካይ ንምግባር ከምዝተስማዕምዑ ኣመልኪቶም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኣገልግሎት ማይ፣ መብራህቲ፣ ስልኪን ካልኦት ኣገልግሎታትን ምቁርራፅ ከየጋጥም ኣመራርሓ እታ ከተማ ዘርአዩዎ ቆራፅነት ዝኣድ ኢ ኢለን፡፡

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.