ሰራሕተኛ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ዝኾነት መንእሰይ ሊድያ ፍቅሬ ብሃንደበታዊ ሓደጋ መኪና ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ
ኣብ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ክኢላ ዘፈር ዕዳጋን ልምዓት መሸጣን ኮይና እትሰርሕ ዝነበረት መንእሰይ ሊድያ ፍቅሬ ትማሊ ብዘጋጠማ ሃንደበታዊ ሓደጋ መኪና እያ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልያ።
ኣብ 1995 ዓ.ም ኣብ ዞባ ጉራጌ ወረዳ ቸሃ ከተማ እምድብር ተወሊዳ ዝዓበየት ሊድያ ፍቅሬ፤ ኣብ 2017 ዓ.ም ካብ ዩኒቨርሲቲ ወራቤ ብማርኬቲንግ ማኔጅመንት ተመሪቓ።
ድሕሪ ምምራቓ ድማ ብዝተምሃረቶ ሞያ ኣብ ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ዘፈር ዕዳጋን ልምዓት መሸጣ ተቖፂራ እናገልገለት ፀኒሓ።
ጓል 24 ዓመት መንእሰይ ሊድያ ካብ ስድራኣ ራብዐይቲን ናይ መወዳእታን ውላድ እንትትኸውን፤ ብቕንዕናኣ፣ ብሕያውነታን ብፅቡቕ ስነ-ምግባራን ብስድራኣ፣ ኣዕሩኽታን ሕብረተሰብ ከባቢኣን ኣዝያ ፍትውቲን ፍሉይ ቦታ ዝወሃባ ነይራ።
መንእሰይ ሊድያ ኣደ መሓዛኣ ብሞት ብምፍላየን ሓዘን ክትካፈል ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትውልዲ ከተማኣ እምድብር ኣብ ትጉዓዝ እዋን ብዘጋጠማ ሓደጋ መኪና 12 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም ህይወታ ሓሊፉ።
ስነ-ስርዓት ቀብራ ድማ ሎሚ 13 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም፤ ስድራኣ፣ ፈተውታ፣ ኣዝማዳን መሳርሕታን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ትውልዲ ከባቢኣ እምድብር ተፈፂሙ።
ፋና ሚድያ ኮርፖሬሽን ንመሳርሕታ፣ ንስድራኣን ፈተውታን ዘመድ ኣዝማድን ፅንዓት ይምነ።