ሰራዊት ምክልኻል፤ ማእገር ህዝቢን ዘይብዳህ ዘብዒ ሰላምን
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሉኣላዊነትን ድሕንነትን ሓንቲ ሃገር ዝረጋገፅ ብጥንኩራት ትካላት፣ ብዝተወደበ ዓቕሚ ምክልኻል፣ ብሓገዝ ህዝቢን ወታደራዊ ድልውነትን እዩ።
ዘብዒ ሉኣላዊነት ኢትዮጵያ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻል እውን ማእገር ህዝቢ፣ ዘበናዊ ቴክኖሎጂ ዝተዓጠቐ፣ ብወታደራዊ ዲሲፕሊን ዝተሃነፀን ንዝኾነ ይኹን ፈተና ድሉው ንምዃን ዘኽእል ዓቕሚን ዝፈጠረ እዩ።
እዚ ድማ ንዓቕሚ ውግእ እቲ ሰራዊት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ሃገራዊን ዞባዊን ሰላም ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ዝውስን መሰረታዊ ጉዳይ እዩ።
ሓይሊ ሰራዊት ምክልኻል ዝምዘን ብኣፅዋርን ወታደራዊ ብቕዓትን ጥራሕ ኣይኮነን፤ ምስ ህዝቢ ብዘለዎ ርክብ፣ ብዝረኽቦ ድጋፍን ብዘርእዮ ፍቕሪ ሃገርን እውን እዩ።
ኣብዚ መዳይ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ብወታደራዊ ስልጠናን ዘበናውነት ኣፅዋርን ጥራሕ ከይተደረተ፤ ህዝባዊ ተቐባልነት፣ ትካላዊ ሓላፍነትን ሞያዊ ስነ-ምግባርን ከጥሪ ክኢሉ ኣሎ።
እዚ ምትእስሳር እቲ ሰራዊት ዝተሓላለኹ ፈተናታት ኣብ ዘጋጥሞ እዋን ብቖራፅነት ንኽሰርሕን ድሕንነት ህዝቢ ቀዳምነት ንኽህብን ዝሕግዞ ቀንዲ መሰረት እዩ።
ብቕዓት ዘበናዊ ወታደራዊ ሓይሊ ካብ ብዝሒ ሓይሊ ሰብ ንላዕሊ ብኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ፣ ልውውጥ ሓበሬታ፣ ምድላው ትልሚ፣ ቕልጡፍ ኣመራርሓን ዝተዋደደ ኣፈፃፅማ ውግእን ይግለፅ።
ብመንግስቲ መደመር ዕዉት ሪፎርም ዝተኻየደሉ ሰራዊት ምክልኻል እውን፤ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ኣቢሉ ኣብ ምእካብን ምትንታንን ወታደራዊ ሓበሬታ፣ ኣብ ምምሕዳር ሎጂስቲክስ፣ ኣብ ርክብን መራኸቢታትን፣ ኣብ ምክልኻል ኣየርን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ስራሕ ብዝተዋደደ ኣፈፃፅማ ውፅኢታት እናመዝገበ ይርከብ።
ብወታደራዊ ዲሲፕሊን ዝተሃነፀ ሰራዊት መስመር ትእዛዝ ምኽባር፣ ብሕጊን ደንቢን ምምራሕ፣ ዝተውሃቦ ልኡኽቶ ብሓላፍነት ምፍፃምን ኣብ ተግባር ምትሕብባር ምርኣይን፣ ልኡኽቱኡ ብዓወት ንኽፍፅም ኣኽኢልዎ እዩ።
ላዕለዋይ ኢታማዡር ሹም ሓይልታት ጦር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ከም ዝብሉዎ፤ ከይዲ ህንፀት እቲ ሰራዊት ብዘበናውነት ኣፅዋርን ቴክኖሎጂን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ብቕዓት ዓቕሚ ሰብ፣ ዲሲፕሊን፣ ተግባራዊ ድልውነትን ኣፈፃፅ ልኡኽቶን ዘድሀበ እዩ።
ብተመሳሳሊ እዋን መስመር ትእዛዝ እቲ ሰራዊት ጥንኩር ኮይኑ ንኽቕፅል፣ ኣብ ሞያዊ ብቕዓት ዝተመስረተ ውሳነ ንምሃብን ልዕልነት ሕጊ ንምኽባርን እውን ማዕረ ትኹረት ተዋሂብዎ እዩ።
ሰራዊት ምክልኻል ብውሑድ ኪሳራ ዓወት ምምዝጋብ፣ ህይወት ሰባት ምሕላው፣ ኣብ ትኽክለኛ ሓበሬታ ዝተመስረተ ውሳነ ምሃብ፣ ዘየድሊ ጉድኣት ምንካይን እቲ ዝተውሃቦ ተልእኾ ብብቕዓት ምፍፃምን ብዝምልከት እናርኣዮ ዝርከብ ምዕባለ ዘተባብዕ እዩ።
ግደ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ውሽጣዊ ድሕንነትን ምሕላው ሉኣላውነትን ሃገር ሓሊፉ ኣብ ግቡእ ሕጋዊን መዝነትን ማዕቐፍ ዝካየዱ ተልእኾታት ምኽባር ሰላም፣ ዞባዊ ምትሕብባርን ሓባራዊ ፃዕርታት ድሕንነትን እውን ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ።
ጅግና ሰራዊት ምክልኻል ብኣፅዋር ዝዘመነ፣ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ፣ ብዲሲፕሊን ዝተሃነፀ፣ ብተግባር ድሉው ዝኾነን እምነት ህዝቢ ዝረኸበን ኮይኑ ንኽቕፅል ዝተጀመረ ስራሕ ምጥንኻር የድሊ።