ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝተፈተነሉ ኩሉ ዓውደ ውግእ ብፅንዓት ሓሊፉ ዓወት ተጎናፂፉ እዩ – ኣይተ መሓመድ እድሪስ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዝተፈተነሉ ኩሉ ዓውደ ውግእ ብፅንዓት ሓሊፉ ዓወት ዝተጎናፀፈ፣ ንሃገር ናብ ምሉእ ዕቤት ዘብፅሕ ሰራዊት ዓወት እዩ ኢሎም ሚኒስትር ምክልኻል መሓመድ እድሪስ።
119 ዓመት መዓልቲ ሰራዊት ምክልኻል “ሰራዊት ዓወት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሎሚ መዓልቲ ይኽበር ኣሎ።
ኣይተ መሓመድ እድሪስ ኣብቲ በዓል ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ከምዝበሉዎ፤ ዶብ ኢትዮጵያ ብፅንዓት ንምሕላው ዘላቒ ሰላምን ፀጥታን ንምዕሳል፣ ከምኡ እውን ምሉእ ድሕንነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ኣብ ልኡኽቶ ንዝርከቡ ኣባላት ሰራዊት ምስጋና ኣቕሪቦም።
ንሃገርን ንወገንን ዘብዒ ካብ ምዃን ዝዓቢ ክብሪ የለን እሞ ክሳብ ህይወት ዝበፅሕ ክቡር መስዋእትነት እትኸፍሉዎ ዓብዪ ሃገራዊ ክብሪ ብምርዳእ ኣብዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ልዑል ልባዊ ምስጋናይ ከቕርበልኩም እደሊ ኢሎም።
ብፅንዓትን ብጀግንነትን ዝተሃነፀ ሰራዊትና ንህልውና ሃገርና ዝተፈታተኑ ብዙሓት ፈተናታት ስዒሩ እዩ ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ሰራዊት ናፅነትን ታሪኻዊ ኩርዓትን ኢትዮጵያ ብተግባር ዘረጋገፀ ናይ ሓቂ ተዓዋቲ ምዃኑ ተዛሪቦም።
ሰራዊት ዓወት ማለት ኣብ ጦር ግንባር ፀላኢ መኪቱ ካብ ምምላስ ብተወሳኺ ሃገሩን ህዝቡን ናብ ምሉእ ዓወት፣ ዘላቒ ሰላምን ብሩህ ዕቤትን ከብፅሕ ዝኽእል ጥንኩር ትካላዊ ዓቕሚን ራኢን ዘለዎ ሰራዊት ማለት እዩ ክብሉ እውን ኣብሪሆም።
ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዝተፈተነሎም ኩሎም ዓውደ ውግኣት ብፅንዓት ሓሊፉ ዓወት ዝተጎናፀፈ ሃገር ናብ ምሉእ ዕቤት ዘብፅሕ ሰራዊት ዓወት ምዃኑ ኣብሪሆም።
ንሓንቲ እዋን እውን እንተኾነ እንተይተናወፀ ሰላም ሃገርናን ህዝብናን ቀንዲ ልኡኽቶኡ ብምግባር ዝተልዓለ ጀግና ሰራዊት ምክልኻልና፤ ብዝኸፈሎ ተጋድሎ ታሪኽ ክዝክሮም ዝነብር ዓበይቲ ዓወታት ኣመዝጊቡ እዩ።
ኣብዚ እዋን ኢትዮጵያ ብዙሓት ፈተናታትን ማዕበላትን ተሳጊራ ኣብ ዝተረጋገፀን ዘተኣማምንን መሰረት ተመርኲሳ ናብ ዕቤትን ብራኸን እትግስግሰሉ ሓዱሽ ምዕራፍ ሒዛ ትርከብ ኢሎም እቶም ሚኒስተር።