ሰብ ኣጥፊኡዎ፤ ሰብ ኣልሚዑዎ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ፈጣሪ ዝሃበና ቀበና “ሰብ“ ኣጥፊኡዎ፤ እዚ ምጥፋእ ህያብ ተፈጥሮ ነስሓ ዝሓደሮ “ሰብ“ ድማ ንቀበና ዳግም ከምብሓዱሽ ክውለድ ገይሩዎ።
ሩባ ቀበና ንዘበናት ብደርፊን ትዝታን ጥራሕ ሽሙ እናተልዓለን እናተወደሰን ነይሩ ሎሚ ግን ዳግም ክውለድ ገይርና ኣልሚዕናዮ!!
ኣርቲስት ፀሃዬ ዮሃንስ “ቢሻን ቀበና” እናለ ብዙሓት እናሓመሱ ዝዓበዩሉ ናይ ቁልዕነት ዝኽሪ ዝቕስቅስ፣ ናይ ክብሪ ዶ/ር ኣርቲስት ዓሊ ቢራ “ቢሻን ኣዲስ ኣበባ“ እናበለ እንተድንቕ ኣብ ከይዲ ዘበናት ግን ትዝታ ጥራሕ ተሸኪሙ ተፈጥሮኣዊ መንነት እቲ ሩባ ጠፊኡ፣ መፍሰሲ ፍሳስን መደርበዪ ረሳሕን ኮይኑ፣ ጨናኡ ኣየፅግዕን ኢሉ ተረሲዑ ዝነበረ ሩባ ነይሩ።
እዞም ናይ ብኽለት፣ ፍልፍል ሕማምን መጠራቐሚ ረሳሕን ዝነበሩ ሩባታትና ሎሚ ግን ብትግሃትን ብረሃፅን እነናተሓከሙ፣ ንነባሪ ተስፋን ፍሰሃን ዝልግሱ ፍልፍላት ሓጎስ እናኾኑ ይርከቡ፡፡
ኣብ ሓፂር እዋን ዝተሃነፀ እዚ ዘደንቕ ፕሮጀክት፣ ምስ ካልኦት ዓበይቲ ፕሮጀክታት እታ ከተማ ተደሚሩ ንኣዲስ ኣበባ ናይ ፅባቐ ማእኸል ገይሩዋ ኣሎ።