Fana: At a Speed of Life!

ሰገናት ኣትሌታት ንዕዉት ጉዕዞ ኢትዮጵያ ዝሕድሱ ሃገራዊ ኩርዓታት እዮም – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ሰገናት ኣትሌታት ንዕዉት ጉዕዞ ኢትዮጵያ ዝሕድሱ ሃገራዊ ኩርዓታት እዮም ኢሎም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ንሰገናት ኣትሌታት ብኣካል ረኺቦም ከምዘተባብዑዎም ገሊፆም።

እቶም ሰገናት ኣትሌታት ኣብ ዕሸል ዕድሚኦም ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ብዘርአዩዎ ብቕዓትን ብዘመዝገቡዎ ዓወትን ሰንደቕ ዕላማ ሃገሮም ብኽብሪ ክብ ከምዘበሉ ኣዘኻኺሮም።

እዚ ውፅኢት ንኹሎም ኢትዮጵያውያን ሓጎስን ኩርዓትን፤ ንሰገናት ወለዶ ድማ ዓብዪ ተስፋን ኣብነትን እዩ ኢሎም።

እቲ ዝተመዝገበ ዓወት ንናይ ፅባሕ ዝለዓለ ዓወት መበገሲን መሰረትን ምዃኑ ብምሕባር፤ እቶም ኣትሌታት ዓርሰ እምነቶም ብምድንፋዕ፣ ሕልሞም ብምዕባይን ሎሚ ካብ ዘመዝገቡዎ ዓወትን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ንምብፃሕ ብምሕላምን ንዝመፅኡ ውድድራት ዓለም ሻምፒዮናን ኦሎምፒክን ብዝለዓለ ብቕዓት፣ ትግሃትን ቆራፅነትን ንኽዳለዉ ኣተሓሳሲቦም።

መንግስቲ ኣብ ዝቕፅል ጉዕዞ ዓወቶም ዘድልዮም ኩሉ ዓይነት ደገፍ ከምዝገብረሎም ኣረጋጊፆም።

እቶም ኣትሌታት ብቕዓቶምን ክእለቶምን ብቐፃልነት እናማዕበሉ ሽምን ሰንደቕ ዕላማን ሃገሮም ኣብ ዓለም ብተኸታታሊ ክብ ንምባል ብፅንዓት ንዓወት ክስለፉ እውን ኣተሓሳሲቦም።

#ኢትዮጵያ #ዓባይሃገር #ዓብዪህዝቢ #ዓብዪራኢ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.