Fana: At a Speed of Life!

ሱልጣኔት ዓፋር ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ሱልጣን ዓፋር ኣሕመድ ኣሊሚራህ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ንፓርቲብልፅግናን 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ብምዕዋቶም መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፎም፡፡

ሱልጣን ኣሕመድ ዓሊሚራህ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም÷ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ልዑል ዝላ ዘመዝገቡ ኢኮኖሚዊን ፖለቲካዊን ስራሕቲ ሪፎርም ምውጋኖም ኣዘኻኺሮም፡፡

እዞም ናይ ለውጢ ስጉምቲታት ኩለመዳይ ልምዓትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ብሄራዊ ሓድነት ንምጥንኻር ዝዓለሙ ከምዝኾኑ ኣዘኻኺሮም፡፡

ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራህ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝጠቕሞ ፓርቲ ንምምራፅ ዘርአዮ ጥንኩርን ንቑሕን ተሳትፎ ብምንኣድ ኣመስጊኖም፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ዝጀመሩዎ ኩለመዳያዊ ከይዲ ለውጢ ኣጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ እምነቶም ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ሱልጣኔት ዓፋር ምዕባለ ኢትዮጵያ ጋህዲ ንምግባር ብሓባር ከምዝሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.