ሴኔጋልን ሞሮኮን ንፍፃመ ጽዋዕ ኣፍሪካ ዝሓለፋሉ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ
ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብኣሰናዳእነት ሞሮኮን እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መበል 35 ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሴኔጋልን ሞሮኮን ተጋጠምተን ብምስዓር ናብ ፍፃመ ምሕላፈን ኣረጋጊፀን።
ትማሊ ምሸት ሰዓት 2 ኣብ ዝተጀመረ ፀወታ ሴኔጋልን ግብፂን፤ ሴኔጋል ብብሕታዊት ሸቶ ሳዲዮ ማኔ 1 ን 0 ብመስዓር ናብ ፍፃመ ክትሓልፍ ክኢላ።
ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ዝተኻየደ ካሊእ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ፤ ኣሰናዳኢት ሃገር ሞሮኮ ንናይጄሪያ ብምስዓር ናብ ፍፃመ ሓሊፋ።
ፀወታ ክልሪአን ሃገራዊ ጋንታታት ኣብ ስሩዕ 90 ደቕቕ ከምኡ እውን ኣብ ተወሳኺ 30 ደቒቕ ብዘይሸቶ ማዕረ ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ሞሮኮ ብመፍለዪ ፍፁም ቅላዕ 4 ን 2 ተዓዊታ።
ብመሰረት እዚ ሞሮኮን ምስ ሴኔጋል ናይ ፍፃመ ተናሓናሕቲ ምዃነን ኣረጋጊፀን።
ፀወታ ፍፃመ ፅዋዕ ኣፍሪካ ዝቕፅል ሰንበት ክካየድ ኢዩ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!