Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ንካልኦት ከተማታት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኾኑ ኢዮም-ዝተፈላለዩ ሚኒስትራት ሃገራት ኣፍሪካ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ስራሕቲ ልምዓት ንካልኦት ከተማታት ኣፍሪካ መርኣያ ዝኾኑ ኢዮም ኢሎም ተሳተፍቲ ኮንፈረነስ ሓለዋ ህፃናት ኣፍሪካ።

ሚኒስትራት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፍሪካ ዝተኻተትሉ ተሳተፍቲ እቲ ኮንፈረነስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሳለጡ ዘለዉ ስራሕቲ ልምዓት ዑደት ኣካይዶም።

እቶም ተሳተፍቲ፥ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ኩለ መዳይ ልምዓት ትራንስፎርሜሽን ከተማ ነታ ከተማ ፅርይቲን ንናብራ ምቹእቲን ዝገብር ከምዝኾነ ገሊፆም።

ልምዓት ኮሪደርን ካልኦት ስራሕቲ ልምዓትን ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ኣፍሪካ መዲናነት ዘምጥኑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዚ ሐዚ እዋን ዝካየዱ ዘለዉ ሓቛፊ ስራሕቲ ልምዓት ንካልኦት ሃገራት ኣፍሪካ መርኣያ ከምዝኾን እውን ኣፅንኦት ምሃቦም ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቤት ፀሕፈት ከንቲባ ሚኤሳ ኤሌማ (ዶ/ር) ንፋና ዲጂታል ተዛሪበን።

ብመላኩ ገድፍ

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.