ስነ ስርዓት ሽልማት ባሎንዶር ሎሚ መዓልቲ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ ጥቅምቲ 16፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ስነ ስርዓት ሽልማት ባሎንዶር 2026 ሎሚ ምሸት ኣብ ለንደን ክካየድ እዩ።
ላሚን ያማል፣ ሃሪ ኬን፣ ኪሊያን ምባፔን ኦስማን ዴምቤሌን ኣብ ሽልማት ባሎንዶር እዚ ዓመት ንዓወት ብቕድሚት ተገሚቶም ኣለዉ።
ከም ሊዮኔል ሜሲ፣ ጁድ ቤሊንግሃም፣ ኦሊሴ፣ ሃላንድ፣ ዴክላን ራይስ፣ ክቫረትስኬሊያ፣ ቪኒሸስ ጁኒየር፣ ቪቲኒሃ፣ ሮድሪን ብሩኖ ፈርናንዴዝን ዝኣመሰሉ ተፃወትቲ ድማ ኣብቶም ናይ መወዳእታ 30 ሕፁያት ተኻቲቶም ይርከቡ።
ዳዮት ኡፓሜካኖ፣ ዊሊያም ሳሊባ፣ ፌራን ቶሬስ፣ ማርኪኒዮስ፣ ፓቾ፣ ጆኣዎ ኔቬስ፣ ኑኖ ሜንዴስ፣ ላውታሮ ማርቲኔዝ፣ ሳዲዮ ማኔ፣ ኣሽራፍ ሃኪሚ፣ ጋብሬል ማጋሌሽ፣ ፋቢያን ሩሂዝ፣ ጁሊያን ኪኖንስ፣ ሉዊስ ዲያዝ፣ ማርክ ኩኩሬያን ኩባርሲን እውን ካልኦት ሕፁያት እቲ ሽልማት እዮም።
መበል 70 ስነ ስርዓት ሽልማት ባሎንዶር ሎሚ ምሸት ሰዓት 3 ኣብ ለንደን ክካየድ እዩ።
እቲ ስነ ስርዓት ሽልማት ንፈለማ እዋን እዩ ካብ ፈረንሳይ ወፃእ ክካየድ።
ኣብ ታሪኽ ሽልማት ባሎንኦር፣ ሊዮኔል ሜሲ 8 ግዜ፣ ክርስትያኖ ሮናልዶ ድማ 5 ግዜ ብምዕዋት፤ ብብዝሒ ዓወት ኣብቲ መድረኽ ዝደመቑ ተፃወትቲ እዮም።
ናይዚ ዓመት ሽልማት ባሎንዶር ኣየናይ ተፃዋታይ ክዕወት ትፅቢት ትገብሩ? ግምትኩም ኣካፍሉና።