ስኒ ኣውፂኡ ዝተወልደ ህፃን …
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ለካቲት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣዊ ዞባ ዳንግላ ዝርከብ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ሓደ ስኒ ዘውፅአ ህፃን ምውላዱ ተገሊፁ፡፡
መሕረሲ ነርስ ኣብቲ ሆስፒታል ዝኾኑ መንግስቱ ኤባ ኣብ ቀዳማይ ብርኪ ሆስፒታል ሓደ ስኒ ዘውፅአ ህፃን ከምዝተወለደ ንፋና ዲጂታል ኣረጋጊፆም፡፡
ከምዚ ዝኣመሰሉ ፍፃመ ኣብ መብዛሕትኡ ግዜ ቅድሚ 6 ወርሒ ዝዕድሚኦም ዕሸላት ኣስናኖም ኣብቂሎም ናይ ምውላድ ዕድል ከምዘለዎም ኣረዲኦም፡፡
እዚ ፍፃመ ኣብ ታሪኽ እቲ ሆስፒታል ብዓይነቱ ፈላማይ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ሜዲካል ዳሬክተር እቲ ሆስፒታል ዶ/ር ኣማረ ኣቤ ብግዲኦም፤ እቲ ዝወፅ ስኒ ንቀፃሊ ኣወፃፅኣ ኣስናን እቲ ህፃን ንምምችቻው ዝእለ ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!