ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ኣመራርሓ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዘተ ገምጋም ክትትል ኣካይዶም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ምስቲ በዓል ሓደራ ምምሕዳር ኣብ ዝተገበረ ዘተ ዝተርኣዩ ስጉምቲታት፣ ማሕለኻታትን ሓበራዊ ቀዳምነት ዝወሃቦም ጉዳያትን ከምዝገምገሙ ገሊፆም።