ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ጀጋኑ ንምስታፍ ኬንያ ኣትዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ጀጋኑ ንምስታፍ ኬንያ ኣትዮም፡፡
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)ንናፅነት፣ ሉዓላውነትን ልምዓትን ኬንያ ዓብዩ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ጀጋኑ ክብሪ ኣብ ዝወሃበሉ ሃገራዊ በዓል መዓልቲ ማሹጃ (መዓልቲ ጀጋኑ) ብኽብሪ ዕዱም ንምስታፍ ኤልዶሬት ኬንያ ምእታዎም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።