ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ምስ ላዕለዋይ ተወካሊ ጉዳያት ወፃኢን ድሕንነት ፖሊሲን ሕብረት ኣውሮፓ ተዛቲዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሓምለ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ላዕለዋይ ተወካሊ ጉዳያት ወፃኢን ድሕንነት ፖሊሲን ሕብረት ኣውሮፓ ካያ ካላስ ተዛቲዮም፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ ፅሑፍ÷ ሕብረት ኣውሮፓ ላዕለዋይ ተወካሊ ጉዳያት ወፃኢን ድሕንነት ፖሊሲን ሕብረት ኣውሮፓ ካያ ካላስ ሎሚ ተቐቢለ ዕዉት ልዝብ ኣካይድና ኢሎም።
ኣብ ዘተኦም ድማ ኣብ ሞንጎ ሕብረት ኣውሮፓን ኣፍሪካን ዘሎ ርክብ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምዝታዮም ፀሪሖም፡፡
ኣብ በራዊ ረብሓታትን ቅድሚት ኣብ ዝወሃቦም ቁልፊ ጉዳያትን ዘድሀበ ሓሳብ ተለዋዊጥና ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)።
ትኹረት ዝጠልቡን ኣብ ዞባዊ ጉዳያትን መሰረት ኣብ ዝገበረ ዘተ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምድንፋዕን ንምስፋሕን ኣብ ዘኽእሉ መገዲታት ምዝታዮም ሓቢሮም፡፡