ቅዱስ ጊዮርጊስን ሸገር ከተማን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 4ይ ሰሙን መርሃ ግብሪ ሲቢኢ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ቅዱስ ጊዮርጊስን ሸገር ከተማን 2 ን 2 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን።
ኣብ ስታድዮም ኣዲስ ኣበባ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ንቅዱስ ጊዮርጊስ ኣማኑኤል ኤርቦን ናትናኤል ዳንኤልን ሸቶታት ኣመዝጊቦም።
ንሸገር ከተማ ድማ ኣሚር ኣብዶን ቢንያም ፍቅሩን ኣመዝጊቦምወን።
ኣብ ካልእ ፀወታ እቲ ሊግ ነገሌ ኣርሲ ንኣዳማ ከተማ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒራ።
ኣብ ስታድየም ዩኒቨርሲቲ ሓዋሳ ቀትሪ ሰዓት 9 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ፤ ዴሲሬ ፓስካል ብሕታዊት ሸቶ ነገሌ ኣርሲ ኣመዝጊቡዋ።