በዓል ልደት ተዛንዮም ዘብዕሉ ጃፓናውያን
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብታ ብዙሓት ክርስትያን ዘይኰኑ ሰባት ዝነብሩላ ጃፓን፥ በዓል ልደት ብኻልእ መገዲ እዩ ዝበዓል።
መፃምድቲ ኣብ ክንዲ ምስ ስድራቤቶም በዓል ልደት ንበይኖም ከብዕሉ ይመርጹ።
ጎደናታት ጃፓን ብመብራህቲ ልደት ይደምቁ፣ ኣብያተ መግብን ሆቴላትን ድማ ዓማዊለን ንምቕባል ፍሉይ መግቢ የዳልዋ።
መግቢ እውን ካብ ካልኦት ሃገራት ዝተፈልየ ኰይኑ፡ ጃፓናውያን ኩሪሱማሱ ኬኪ ዝበሃል ምቁር መግቢ ብምብላዕ እዮም ዘብዕሉ።
ኣብ ብሪጣንያ ተርኪ ኣብ በዓል ልደት ዝበዝሐ ተፈታዊ መግቢ እዩ።
ጥብሲ ደርሆ ኣብ ጃፓን ህቡብ መግቢ እንትኸውን፥ 3 ነጥቢ 6 ሚልየን ስድራቤታት ናብ ድኳናት ኬ.ኤፍ.ሲ. ብምኻድ ይምገቡዎ።
እዚ ዝተጠበሰ ደርሆ ዘቕርብ ትካል ኣብ ሰብዓታት ካብ ዝኽፈት ጀሚሩ፡ ህዝቢ ጃፓን ንበዓል ልደት ዝኸውን መግቦም ቅድሚ ሓደ ሰሙን ክእዝዙ ጸኒሖም ኣለው።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ኣብያተ ቤት መግቢ ኣብ መዓልቲ ልደት ካብቲ ንቡር መዓልቲ ዕዳጋ ብ10 ዕጽፊ ዝያዳ ተጨናኒቐን ከምዝረኣያ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
ብዩትዩብ www.youtube.com/@fmctigrigna
ፌስቡክ Www.facebook.com/tigrignafana
መርበብ ሓበሬታ www.fanamc.com/tigrigna
ቴሌግራም t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾኑ ነመስግን!