በዓል ሜዳሊያ ወርቂ ሓኪም…
ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ክፍሊ ትምህርቲ ኮሌጅ ጥዕና ሳይንስ ዩኒቨርሲቲ ጎንደር ሎሚ መዓልቲ ካብ ሞንጎ ዘመረቖም ተመረቕቲ 2018 ተምሃሮ ዶ/ር ሙሉጌታ ደምስ ሓደ ኢዩ።
ጋና ብቑልዕልነቱ ሓኪም ናይ ምዃን ሕልሚ ከምዝነበሮ ዝገለፀ ዶ/ር ሙሉጌታ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ምረቓኡ 3 ነጥቢ 92 ውፅኢት ብምምዝጋብ ተሸላሚ ሜዳሊያ ወርቂ ኮይኑ፡፡
እዚ ሽልማት ዝተፈለየ ስምዒት ከምዝፈጠረሉ ዝገለፀ ዶ/ር ሙሉጌታ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣነ ዘይኮንኩስ ወለደይ ኢዮም ተዓዊቶም ኢሉ።
ነዚ ዓወት ክበቅዕዝኸኣለ ብውልቀ ፃዕሩ፣ ብኣጠቓቕማ ግዚኡ፣ ብሓገዝ መምህራኑን ብመስዋእትነት ወለዱን ከምዝኾነ ተዛሪቡ።
ብዝሰልጠነሉ ሞያ ሕክምና ንህዝቡ ብተኣማንነት ንምግልጋል ድሉው ከምዝኾነ እውን ገሊፁ።
ብምናለ ኣየነው