Fana: At a Speed of Life!

ባንክታት ንዝተመረፁ ናውቲታት ኣታዊ ዋጋ ጉምሩክ ከም መርኣዪ ዋጋ ክጥቀሙ ኢዮም-ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ባንክታት ካብ 19 ጥሪ 2018 ዓ.ም ጀሚሮም ንዝተመረፁ ናውቲታት ኣታዊ ዋጋ ጉምሩክ ከም መርኣዪ ዋጋ ክጥቀሙ ኢዮም ኢሉ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ።

ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ እቶም ባንኪታት ነዝተመረፁ ናውቲታት ሰነድ ልቓሕ ይኹን ካሊእ ክፍሊት እንትይፈቕዱ ተመን  ኮሚሽን ጉምሩክ ኢትዮጵያ ከም መርኣዪ ዋጋ ክጥቀሙ ይግባእ ኢሉ።

እቲ ባንኪ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ.ም ተግባራዊ ዝገበሮ መምርሒ ሸርፊ ወፃኢ ስዒቡ ናይዛ ሃገር ተመን ሸርፊ ወፃኢ ብዕዳጋ ንክውሰን ከምዝተገበረ ኣዘኻኪሩ።

እቲ መምርሒ ባንኪታት ምስ ዓማዊል ብምድርዳር ተመናት መዐደጊን መሸጥን ሸርፊ ወፃኢ  ምውሳን ንክኽእሉ ይፈቅድ ኢዩ ክብል እውን ገሊፁ።

ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦

Website www.fanamc.com/tigrigna

Facebook kwww.facebook.com/tigrignafana

YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna

Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡

ኩሉ ግዘ መሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.