ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዘትዩ ውሳነ ኣሕሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘካየዶ መበል 47 ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ብምዝታይ ውሳነ ኣሕሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ዘሕለፎም ውሳነታት ከምዝስዕብ ቀሪቡ ፡-
- ፈለማ እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዝተትሓዘ በጀት 2018 ዓ.ም መንግስቲ ፌደራል ረቂቅ በጀት ኣዋጅ እዩ። በጀት መንግስቲ ፌደራል 2018 ዓ.ም ኣብ ትልሚ ልምዓት ዓሰርተ ዓመት ዝተቐመጡ ሸቶታት ንምፍፃም፤ ደሕንነት ሃገር ንምሕላው፣ ፍርትን ኣፍራይነትን ንምዕባይ ፣ብተፈጥሮኣውን ሰብ ሰራሕ ፀገማት ምኽንያት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ንምሕጋዝ ከምኡ እውን ኣብ ሞንጎ 2018-2022 ማክሮ ኢኮኖሚያውን ፊስካል ማዕቀፍ መሰረት ብምግባርን ኣብ 2017 ኣፈፃፅማ በጀት ፕሮግራም ብምግምጋምን ተዳልዩ ዝቐረበ እዩ፡፡
በዚ መሰረት እውን መንግስቲ ፌደራል ስሩዕ ወፃኢታት፣ ካፒታል ወፃኢታት፣ ንክልላት ዝውዕል ደገፍ፣ ዕላማታት ዘላቒ ልምዓት መፈፀሚ ደገፋት ናብ ክልተ ትሪሊዮን ዝፅጋዕ በጀት ናብ ቤት ምኽሪ ቀሪቡ፡፡
እቲ ቤት ምኽሪ ብዝቐረቡ መንግስቲ ፌዴራል ኣብ ረቂቅ ኣዋጅ 2018 ድሕሪ ምዝታይ እታወታታት ብምውሳኽ ናብ ቤት ምኽሪ ባቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
2.ኣብ መወዳእታ እቲ ቤት ምኽሪ ዝዘተየ ኣብ ስታርታፕ ረቂቅ ኣዋጅ እዩ፡፡ ምህዳር ስታርታፕ ብምፍጣር ስታርታፕ ዝፈርይሎም፤ ዝንቀሳቀስሉን ዝዓብይሉን ቴክኖሎጂ ተግባራዊ ብምግባር ሓደሽቲ ፍርያትት ዝፈርይሉን ግልጋሎት ዝህብሉን ከምኡ እውን ኣብቲ ዓውዲ ንዘሎ ፀገማት ቀረብ ፋይናንስ ንምፍታሕ ንክኽእል ተገይሩ ረቂቅ ኣዋጅ ተዳልዩ ቀሪቡ፡፡ እቲ ቤት ምኽሪ በቲ ኣዋጅ ድሕሪ ምዝታይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ፡፡
Facebook www.facebook.com/tigrignafana
Website www.fanamc.com/tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana