ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ሎሚ ኣብ ዘሳለጦ መበል 46 ስሩዕ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ብምዝታይ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ፥ መሰረት ኣታዊ መንግስቲ ብምስፋሕ ወፃኢ ንምሽፋንን ዝተረጋገዐ ማክሮ ኢኮኖሚ ንምርግጋፅን ነዝግበር ፃዕሪ ዝድግፍ ማዕቐፍ ማክሮ ኢኮኖሚን ፊሲካልን ማእኸላይ ዘበን 2018-2022 ከምዝተሰናደአ ርእዩ።
ብተወሳኺ ኣብ ስሩዕ ኣተኣኻኽባ ኣታዊን ኣመዳድባ ሃፍቲን ኣንፈታት ፖሊሲ ብምርኣይ ንቐፃሊ ባጀት ዓመት መበገሲ ምድላው ባጀት ብምዃን ከምዘገልግል ኮይኑ ምቕራቡ ብምግላፅ፥ እቲ ማዕቐፍ ኣብ ስራሕ ንክውዕል ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
እት ቤት ምኽሪ፥ ካብ ባንኪ ዓረብ ንልምዓት ኢኮኖሚ ኣፍሪካን ዓለም ለኸ ማሕበር ልምዓትን ብሓባር ኣብ ዝተፈረሙ ክልተ ስምምዕነታት ደገፍ ፋይናንስ እውን ተዛቲዩ።
ካብ ባንኪ ዓረብ ዝተረኸበ ልቓሕ 49,550,000 ዶላር ኣሜሪካን ካብ ዓለም ለኸ ማሕበር ለምዓት ዝተረኸበ 45,100,000 ኤስ ዲ ኣርን ምስ ስትራቴጂ ልቓሕ ኢትዮጵያ ዝጠዓዓሙ ምዃኖም ብምርግጋፅ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፉ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ንዕድል ስራሕ ሃገራት ወፃኢ ንዝህቦም ኣገልግሎታት ዝኽፈል ክፍሊት ኣገለግሎት ንምውሳን ዝወፅአ ደንቢ ብዝምልለከት ብዕምቆት ብምዝታይ እቲ ደንቢ ኣብ ነጋሪት ጋዜጣ ተሓቲሙ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሩ ተግባራዊ ንክግበር ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ኢትዮጵያዊያን ኣብ ሃገራት ወፃኢ ዕድል ስራሕ ንክረኽቡ ጠሚቱ ዝተሰናደአ ረቂቕ ኣዋጅ ብዝምልከት ኣብ ዝገበሮ ዘተ፥ እቶም ዜጋታት መሰሎም፣ ድሕንነቶምን ክብሮምን ብዘላቕነት ምሕላዉ ንምርግጋፅ ከምኡወን ሃገርና ካብቲ ዓውዲ ከትረኽቦ ዝግበኣ ረብሓ ንምሕላው ዓሊሙ ዝተዳለወ ረቂቕ ኣዋጅ ምዃኑ ዘቲዩ።
ስለዝኾነ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኑ።
ኣብ መወዳእታ ረቂቕ ኣዋጅ ሓለዋን ኳራንቲን አፅዋት ኣመልኪቱ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ዘለዎ ረብሓን ንስምምዕነት ዓለም ለኸ ሓለዋ እንስሳት መሰረት ብምግባር ዝተሰናደአ ከምዝኾነን ብሰፊሕ ምዝታይ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንክመሓላለፍ ብሙሉእ ድምፂ ፀዲቑ።