Fana: At a Speed of Life!

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት 46 ዊልቼራት ንጉዱኣት ኣካል ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝነብሩ ጉዱኣት ኣካል ንዝተቃልዑ ቆልዑን ዓበይትን 46 ዊልቼራት ኣበርኪቱ።‎

እቲ ደገፍ ጉድኣት ንዝገጠሞም ካብ ገዛ ወፂኦም ንምንቅስቓስ ይኹን ናብ ቤት ትምህርቲ ክኸዱ ዘይኽእሉ ፀገም ዘጋጠሞም ቆልዑ ብዝተፈለየ ምኽንያት ንጉድኣት ዝተቓልዑ ዓበይቲ ዝተገበረ ምዃኑ ተገሊፁ፡፡

እቲ ቤት ፅሕፈት ንፀገም ዝተቓልዑ ክፋላት ሕብረተሰብ ደገፍ ምግባሩ ከምዝቕፅል ብምግላፅ÷ እቲ ደገፍ እንትገብር ብምኽንያት ጉዱኣት ኣካል ደቆም ምስራሕ ይኹን ደቆም ከንቀሳቕሱ ንዝተፀገሙ ወለዲ እፎይታ ንምሃብ ተሓሲቡ እዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ቤት ፅሕፈት ቀዳመይቲ ምስ ፋውንዴሽን ልምዓት ገፀር ቻይና ብምዃን ዘምፅኦም ዊልቸራት ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝነብሩ ጉዱኣት ኣካል ብውህብቶ ብምሃብ ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ኣብ ዝተፈላለያ ክልል ከተማታት ንዝርከቡ ጉድኣት ኣካል ዝግበሩ ዌልቸራት ፕሮግራም ደገፍ ምጅማሩ ይዝኸር፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.