ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ኣገልግሎት ሓዋላን ፍቓድ ዘይብሎም ኣመሓላለፍቲ ትካላትን ዕላዊ ገይሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዘይሕጋዊ ኣገልግሎት ሓዋላን ፍቓድ ዘይተውሃቦም ትካላት ኣመሓላለፍቲ ገንዘብን ዕላዊ ገይሩ።
ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፤ ሕብረተሰብ፣ ኣባላት ዲያስፖራን ዓማዊልን ፍቓድ ዘይብሎም ተወከልቲ ምትሕልላፍ ገንዘብን ዘይሕጋዊ መርበባት ሓዋላን ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።
እዞም ዘይሕጋዊ ተግባራት ብሕጊ ኢትዮጵያ ብጥብቂ ዝተኸልከሉ ምዃኖም ብምግላፅ፤ በዞም መገድታት ገንዘብ ምልኣኽ ወይ ምቕባል ንዓማዊል ንልዑል ኪሳራ፣ ንዘይተረጋገፀ ምድንጓይ ክፍሊት፣ ንእገዳ ሒሳብ ባንኪ፣ ከምኡ እውን ንሕጋዊ ተሓታትነት ከቃልዖም ከም ዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣቱ ዕቤት ዝውውር ገንዘብ እናወሰኸ ምምፅኡ ብዝተኣሳሰረ፣ ዜጋታት ሕጋዊ ፍቓድ ዘለዎም መገድታት ኣመሓላለፍቲ ገንዘብ ጥራሕ ክጥቀሙ ከም ዘለዎም ኣመልኪቱ።
ዘይሕጋዊ መገዲታት ምጥቃም ንላኣኽቲ ገንዘብ ኮነ ንተቐበልቲ ስድራቤታት ግቡእነት ብዘለዎም ሕጊታት መሰረት ብምግባር ንምምሕዳራዊን ሕጋዊን ስጉምቲ ከቃልዖም ከምዝኽእል እውን ገሊፁ።
ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ምትሕልላፍ ገንዘብ ክህቡ ፍቓድ ዘይተውሃቦም 17 ዘይሕጋዊ ትካላት ምትሕልላፍ ገንዘብ ዕላዊ ገይሩ ኣሎ።
ብመሰረት እዚ፦ ኣዱሊስ መኒ ትራንስፈር፣ ኣማል ኤክስፕረስ፣ ኣማል ዩኤስኤ፣ ኣማና ኤክስፕረስ፣ ኣቫንቲ፣ ኣዋሽ ዳይሬክት፣ ባካል መኒ ትራንስፈር፣ ጁባ ኤክስፕረስ፣ ራስሚ ፔይ፣ ረማድ ፔይ (ወይ ረማዳ ፔይ ካህ)፣ ሽጌይ መኒ ትራንስፈር፣ ታጅ ፋይናንሻል ሰርቪስ፣ ታሳ ፔይ፣ ተወከል መኒ ሰርቪሰስ፣ ዩኤስዋየር፣ ወርልድ ዳይሬክት ሊንክን ዞላን ዝተብሃሉ ትካላት ሕጋዊ ፍቓድ ዘይብሎም ከምዝኾኑ ገሊፁ።
ሕብረተሰብ ገንዘቡ ንኽዕቅብን ዝለኣኾ ገንዘብ ብቕልጡፍ ንተቐባሊ ንኽበፅሕን ብብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ፍቓድ ዝተውሃቦም ሕጋውያን ትካላት ሓዋላ ጥራሕ ክጥቀም ከም ዘለዎ ኣመልኪቱ።
ካብዚ ብተወሳኺ ሕብረተሰብ ገንዘብ ቅድሚ ምልኣኹ ዝመረፆ ኣገልግሎት ሓዋላ ኣብ ዕላዊ ዝርዝር ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ፍቓድ ዝተውሃቦም ትካላት ከምዝርከብ ከረጋግፅ ከምዘለዎ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ።