Fana: At a Speed of Life!

ብመስኖ ሓጋይ ልዕሊ 66 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብመስኖ ሓጋይ ልዕሊ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብኣዝርእቲ ብምሽፋን ልዕሊ 66 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ከምዝተኣከበ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ኣገልግሎት ተስፋሁን ጎበዛይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ዓውዲ ገብርና ኣብ እዋን ሓጋይን ኣኸዛን ስራሕቲ ግብርና ፍሪያት ስርናይ ኣብ ምዕባይ፣ ሓለዋ ከባቢ፣ ቀረብ እታዎትን ኢንሼቲቫት ሌማት ቱርፋትን ወዘተ ብዙሓት መርሃ ግብሪታት ኣብ ምትግባር ከምዝርከቡ ተዛሪቦም።

ብስርናይ ሓጋይ 4 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሄክታር መሬት ምልምዑ ገሊፆም።

ካብዚ ልዕሊ 3 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሄክታር መሬት ብኣዝርእቲ ብምሽፋን ልዕሊ 66 ሚሊየን ኩንታል ስርናይ ከምዝተኣከበ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ባጀት ዓመት ክሳብ 30 ሚያዚያ 2017 ዓ.ም 21 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት ብጉልበት ዝተሳተፉሉ 5 ሚሊየን ሄክታር ዝሽፍን ዝተዋደደ ስራሕቲ ተፋሰስ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።

እዚ ድማ 16 ቢለየን ብር ከምዝግመት ኣብሪሆም።

መንግስቲ ንዘበናዊ ዱኽዒ 1 ነጥቢ 3 ቢሊይ ዶላር ምስልዑ ብምግላፅ፥ እቲ ዝዕደግ ዘበናዊ ዱኽዒ ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንትነፃፀር ናይ 4 ነጥቢ 6 ሚሊየን ኩንታል ወሰኽ ከምዘለዎ ገሊፆም።

ብዘመን በየነ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.