ብሮቦት ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣቀባብላ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 መስከረም፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ዩንቨርስቲ ቾንግከንግ ቻይና ተምሃርኡ ብሮቦት ቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣቀባብላ ብምግባር ቀልቢ ብዙሓት ስሒቡ።
ኣብ ደቡብ ምዕራብ ቻይና ዝርከብ ዩንቨርስቲ ሓደሽቲ ተምሃርኡ ብሰብ ዝመስል ሮቦትን ኣኻልብን ብምሕጋዝ ኣቀባብላ ምግባሩ ተገሊፁ።
እቶም ሮቦታት ሻንጣ ተምሃሮ ብምቕባል ናይ እንቋዕ ደሓን መፃእኹም ኣቀባብላ ብምግባር ኣብ መድረኽ ዝተፈላለዩ ምርኢታት ኣቕሪቦም።
እዚ ተግባር ነቲ ዩንቨርስቲ ሓዱሽ ታሪክ ከምዝኾነ ዝተሓበረ እንትኸውን፥ እታ ሃገር ብምዕባለ ቴክኖሎጂ ዝበፅሓቶ ብርኪ ብግልፂ ካብ ምርኣይ ብተወሳኺ ምርምር ኣርቴፊሻል ኢንተሌጀንስ ዘመላኽት ኢዩ ተባሂሉ።
ብኣቤል ነዋይ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!