ተመዛበልቲ ከም መሳርሒ መደራደሪ ምጥቃም ፖለቲካዊ ቁማር ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ከም መሳርሒ መደራደሪ ክጥቀመሎም ፀኒሑ እዩ።
እቲ ጉጅለ ብተቓውሞ ህዝቢ ዝሰኣኖ ስልጣን ንምምላስ ንራብዓይ ግዘ ትንኮያ እኳ እንተፈፀመ፤ ኣብ ልዕሊኡ እናተኻየደ ብዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ህልውና እቲ ጉጅለ እናተዳኸመ ይርከብ።
ብዘይ ኲናት ክነብር ዘይኽእል ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብዝኣወጆ ኲናት፤ ይቃለሰሉ ኣለኹ ንዝብሎ ህዝቢ ክልል ትግራይ ኣብ ዝኸፍአ ማሕበራዊ፣ ፖለቲካዊን ኢኮኖሚያዊን ፀቕጢ ኣውዲቑዎ እዩ።
እቲ ጉጅለ ኣብ ፖለቲካ ትግራይ ንባዕሉ ብሕታዊ ኣማራፂ ብምግባር መናእሰይ ትግራይ ሰጓሚ ፖለቲካ ከይኽተሉ፤ ህዝቢን ጉጅለን ሓደ ጌርካ ብምርኣይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ፖለቲካዊ ፀቕጢ ከብፅሕ ፀኒሑ እዩ።
ጎረባብቲ ክልላት ከም ፀላእቲ ብምቑፃር ንብዙሕ ዓመታት ዝኾነ ይኹን ትግራዋይ ሰናይ ጉርብትና ከይህልዎ ምስ ጎረባብቲ ህዝብታት ድማ ብጥርጣረ ክረኣኣዩ ክገብር ፀኒሑ እዩ።
ብተወሳኺ እውን መናእሰይ ተማሂሮምን ሰሪሖምን ንባዕሎምን ንስድረኦምን ክሕግዙ ኣብ ክንዲ ምግባር ናብ ኣገዳዲ ውትድርና ብምልማል ህይወት ሰገናት መናእሰይ ንእኩይ ፖለቲካዊ ዕላማኡ ገቢሩ እዩ።
ካብዚ ንላዕሊ እቲ ጉጅለ ‘እቃለሰሉ ኣለኹ’ ንዝብሎ ህዝቢ ትግራይ ከም ዘይግደሰሉ ዘርኢ ተግባሩ ብምኽንያት እቲ ባዕሉ ዝጀመሮ ኲናት ካብ መረበቶም ዝተመዛበሉ ወገናት ብመሰረት ስምምዕ ፕሪቶሪያ ናብ ቦታኦም ክምለሱ ንምግባር ፍቓደኛ ዘይምዃኑ እዩ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ብቋንቋ ትግርኛ ኣብ ዝሃቡዎ ቃለ መሕትት፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብምጥሓስ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ከይምለሱ ከም መሳርሒ ክጥቀመሎም ምፅንሑ ኣልዒሎም እዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ ተመዛበልቲ ንምሕጋዝ ናብቲ ክልል ዝኣተወ እኽሊ ካብ ኣፍ ተመዛበልቲ እናመንጠለ ንመግዝኢ ኣፅዋር ኲናት ክጥቀመሉ ከም ዝፀንሐ ገሊፆም።
መንግስቲ ፌደራል ዝጀመሮም ኣገልግሎታት ባንኪ፣ ቴሌኮምን ኣየር ትራንስፖርትን ብምትእጉጓል እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዳግማይ መከራ እናውርደ ከም ዝርከብ እውን ተዛሪቦም እዮም ቀደማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
ቢቢሲ፣ ዲ ደብሊው፣ ኣልጀዚራ፣ ሮይተርስን ሲኤንኤንን ሓዊሱ ብዙሓት ዓለም ለኸ መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኣብ መዕቆቢ ጣቢያታት ዝርከቡ ዜጋታት ንከቢድ ፀገም ከም ዝተቓልዑ ብተደጋጋሚ ፀብፂቦም እዮም።
ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ፌደራል ኣብ መዕቖቢ ጣቢያታት እኹል ሰብኣዊ ሓገዝ እኳ እንተቕረበ፤ ብሰንኪ እቲ ጉጅለ ዝፍፅሞ ዝምታን ምዕንቃፍ ቀረብን ተመዛበልቲ ናይ ምሕጋዝ ፃዕሪ ኣፀጋሚ ኮይኑ ፀኒሑ እዩ።
ብምዃኑ ድማ እዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንህዝቢ ዝጠቅም ዕላማ ከም ዘይብሉ ምግንዛብ ወሳኒ እዩ።
ህዝቢ ትግራይ ድሌቱ ንህልውና እቲ ጉጅለ ንምንዋሕ ዘገልግል ኲናትን ቅልውላውን ዘይኮነስ ልምዓትን ሰላምን ምዃኑ፤ ናብ ጎደና ብምውፃእ እውን ኣረጋጊፁ እዩ።