Fana: At a Speed of Life!

ተሳትፎን ተበግሶን መረፅቲ ንህንፀት ሰርዓት ዴሞክራሲ ልዑል ተስፋ ኢዩ – ፌዴሬሽን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ዝነበረ ተሳትፎን ተበግሶን መረፅቲ ንህንፀት ሰርዓት ዴሞክራሲ ልዑል ተስፋ ኢዩ ኢሉ ፌዴሬሽን ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ፌዴሬሽን ገነት ስዩም ከምዝበለኦ፤ እቲ ፌዴሬሽን ኣብ ትምህርቲ ምምራፅን ምዕዛብን ብምስታፍ ደቂ ኣንስትዮ ኣብቲ መረፃ ንቑሕ ተሳትፎ ንኽገብሩ ብዙሓት ስራሕቲ ሰሪሑ ኢዩ።

እቲ ፌዴሬሽን ብዝነበረ ግደ ተዓዛብነት ኣብ መብዛሕተኦም ክልላት መረፃ ብሰላማዊ ኩነታት ከምዝተዛዘመን ተሳትፎ ህዝቢ ልዑል ከምዝነበረን ተዛሪቦም።

ተሳትፎን ተበግሶን መረፅቲ ዝነኣድ ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ እዚ ድማ ንህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ልዑል ተስፋ ኢዩ ኢሎም።

ብመራፅነት ይኹን ብተዓዛቢነት ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ዝበረታታዕ ነይሩ ኢለን።

እቲ ፌዴሬሽን ኣብ 25 ሺሕ ጣቢያታት መረፃ ተዓዚቡ ዝበላ እተን ዋና ዳይሬክተር፤ ኣብ መብዛሕተኦም ጣቢያታት ቆፀራ ብግልፅነት ከምዝተኻየደ፤ ተወከልቲ ፓርቲታትን ተዓዘብቲን ኣብ ከይዲ ቆፀራ ከምዝተሳተፉ ክዕዘብ ከምዝኸኣለ ሓቢረን።

ብሄብሮን ዋልታው

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.