Fana: At a Speed of Life!

ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ውፅኢቶም ካብ ሎሚ ምሸት ስዓት 1 ጀሚሮም ክሪኡ ይኽእሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ነሓሰ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ተፈተንቲ 12 ክፍሊ ውፅኢቶም ሎሚ ምሸት ካብ ስዓት 1 ጀሚሮም ክሪኡ ይኽእሉ እዮም ኢሉ ኣገልግሎት ምዘናን ፈተናታትን ትምህርቲ።

መዛዘሚ ሰርተፊኬት ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ‎ውፅኢት ፈተና ዘመነ ትምህርቲ 2018 ዝግለፀሎም ኣድራሻታት ዕላዊ ኮይኖም።

ኣብ ዘበነ ትምህርቲ 2018 መዛዘሚ ውፅኢት ፈተና ካልኣይ ብርኪ ትምህርቲ ኢትዮጵያ ተፈተንቲ ሎሚ 19 ነሓሰ 2018 ዓ/ም ካብ ምሸት ሰዓት 1፡00 ጀሚሮም ዝስዕቡ መጠወቒ ኣማራፂታት (Link) ብምጥቃም ክሪኡ ከምዝኽእሉ እቲ ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

ብዝተተሓሓዘ ተፈተንቲ ቅርታ እንትህልዎም ብኣካል ምምፃእ እንተየድለየ https://result.eaes.et/complaint ዝብል መጠወቒ ብምጥቃም ቅርታኦም ካብ 19 ክሳብ 26 ነሓሰ 2018 ዓ/ም ብምቕራብ ምላሹ እውን ብተመሳሳሊ መጠወቒ ኣቢሎም ክከታተሉ ከምዝኽእሉ እቲ ኣገልግሎት ኣፍሊጡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.