Fana: At a Speed of Life!

ትኽክለኛ ትንተና ሓበሬታ ንዘላቒን ውሑስን ልምዓት ወሳኒ እዩ — ፕሬዚደንት ታዬ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ትኽክለኛ ትንተና ሓበሬታ ንሓቛፊ፣ ዘላቒን ውሑስን ልምዓት ወሳኒ እዩ ኢሎም ፕሬዚደንት ታዬ ኣፅቀ ስላሴ።

10ይ ስሩዕ ኣኼባ ኮሚሽን ስታቲስቲክስ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምክያድ ጀሚሩ ኣሎ።

ፕሬዚደንት ታዬ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፤ ዕቤት ብትኽክለኛ መንገዲ እንተዘይተለኪዑን እንተዘይተመዝጊቡን ከይዲ ልምዓት ምርዳእ ኣይከኣልን።

ትንተና ሓበሬታ ዘላቕን ውሑስን ንኽኸውን ዳታ ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር፤ ኢትዮጵያ ትንተና ሓበሬታ ትኽክለኛ ንምግባር ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ዲጂታል ስርዓት ኣሰራርሓ ከምዝዘርግሐት ኣልዒሎም።

ዋና ዳይሬክተር ኮሚሽን ኢኮኖሚያዊ ጉዳያት ኣፍሪካ ክላቨር ጋቴቴ ብወገኖም፤ ዳታ ምፍጣርን ምዕቃብን ወሳኒ ጉዳይ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ስራሕ ኣልቦነት ንምንካይን ድኽነት ንምቅላስን፣ ዓቕሚ ሰራሕተኛታትን መናእሰይን ምፍላጥ ከም ዘድሊ ገሊፆም።

ቴክኖሎጂ ብግቡእ ምጥቃም ናይ ሕሶት ሓበሬታታት ምክልኻል፣ ከምኡ እውን ለውጢ ክሊማ ምስ ጂኦስፓሻላዊ ሓበሬታታት ብምትእስሳር ሓበሬታ ዝያዳ እሙን ምግባር ከም ዘድሊ ኣገንዚቦም።

ኣብ ትካላት ስታቲስቲክስ ብቑዕ በጀት ብምምዳብ ብብቕዓት ክሰርሑ ከም ዘለዎም እውን ኣተሓሳሲቦም።

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.