Fana: At a Speed of Life!

ናይ ዘበንና ሓርበኝነት ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ እዩ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ናይ ዘበንና ሓርበኝነት ኢትዮጵያዊያን ዝተማልአ ልኡላውነትን ብልፅግናን ንምርግጋፅ እዩ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር “ብሩህ ኣእምሮ ብክእለት ዝበቕዑ ዜጋታት” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ራብዓይ ሃገር ለኸ ውድድር ክእለት ብዕሊ ኣጀሚሮም፡፡

ኣብቲ እዋን ኣብ ዝገበርዎ መደረ ናይዚ ዘበን ወለዶ ልኡላውነት ኢትዮጵያ ካብ ምሕላው ብተወሳኺ ድኽነትን ድሕረትን ብምስዓር ተምሳሌት ብልፅግና ኣፍሪካ ዝኾነት ሃገር ናይ ምህናፅ ሓላፍነት ከምዘለዎ ኣገንዚቦም፡፡

ጉዕዞ ለውጢ ሃገራት ዝውሰን ብበዝሒ ሃፍቲ ዘይኮነስ ብኣጠቓቕማ ሃፍቲ ምዃኑ ብምሕባር÷ሃፍቲ ሃገር ብግቡእ ንምጥቓም ድማ ክእለት ወሳኒ እዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ፈጠራን ክእለትን ልምዓት መድሓኒት ኢትዮጵያ ምዃኑ መንግስቲ ተገንዚቡ ሃገራዊ ዓቕሚ ብምድማርን ዓርሱ ዝኽኣለ ትካል ብምውዳብ ናብ ስራሕ ምእታው ገሊፆም፡፡

ኣብነት ብቴክኒክን ሞያን ስርዓት ስልጠና ሕርሻ ዘበናዊ ዝገብሩ፣ ዓውዲ ቱሪዝም ብዝበለፀ ዝተመሓየሸ ውፅኢት ስሉጥን ዝገብሩ፣ ዲጂታላይዜሽን ዘቀላጥፉ ቴክኖሎጂታት እናፈጠሩ ብቑዓት ሰብ ሞያታት እናፈረዩ ይርከቡ ኢሎም።

መናእሰይ ብፈጠራን ምርምር ሃገርን ናብ ብልፅግና ክሰጋገሩ ምብርትታዕ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.