ንሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምኽባር ተሳትፎ ኩሉ የድሊ – ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ንሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ምኽባር ተሳትፎ ኩሉ ከምዘድሊ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ምትሕብባር ፕሮጀክት ዓብዩ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ኣረጋዊ በርሄ (ዶ/ር)።
ስትራቴጂካዊ ፎረም ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ዘዳለዎ ዘተ ፓነል “ኣባይ፣ ቀይሕ ባሕርን ሓባራዊ ተረባሕነትን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ይካየድ ኣሎ።
ኣረጋዊ በርሀ (ዶ/ር) ኣብቲ ኣጋጣሚ ከምዝገለፅዎ፤ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን ዘይነፃፀሉ እዮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ታሪኻውን ተፈጥሮኣውን መሰረት ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ብመንገዲ ቀይሕ ባሕሪ ዓለም ለኸ ርክባት ክትገብር ከምዝፀንሐት ኣብሪሆም።
ካብ ጥንቲ ጀሚራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ወደባት ብምምዕባል ክትጥቀም ከምዝፀንሐት ብምዝኽኻር፡ ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነበራ ቁጠባዊ ምትሕብባራት እውን ከም ኣብነት ጠቒሶም።
ቀይሕ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ፀጥታ ውሕስነት ኮይኑ ንዘመናት ከምዝፀንሐ ታሪኽ ዘረጋግፆ ሓቂ እዩ ኢሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።
ኢትዮጵያ ብውዲት ካብ ቀይሕ ባሕሪ ክትርሕቕ ከምዝተገብረ ብምግላፅ፤ ሃገራዊ ረብሓ ኢትዮጵያ ንኽኽበር ተሳትፎ ኩሉ ከምዘድሊ ተዛሪቦም።