ንምዕባለ ኢትዮጵያ ወሳኒ ምቅልጣፍ፣ ምፍጣር፣ ምብዛሕን ምፅራይን…
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መንግስቲ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ምቅልጣፍ፣ ምፍጣር፣ ምብዛሕን ምፅራይን ዝብሉ መገዲታት ወሰንቲ እዮም።
ሓላፊ ዘፈር ዓለም ለኸ ርክብ ህዝብን ፓርቲ ብልፅግናን ቢቂላ ሁሪሳ (ዶ/ር) ከምዝበልዎ፤ ምዕባለ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ እዞም ኣርባዕተ መገዲታት ሕድሕድ ተታሓሒዞም እምበር ተፈላልዮምን ክትግበሩ ኣይክእሉን እዮም።
እቲ ምቅልጣፍ መገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ሕዚ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓትን ፕሮጀክትታትን ግዜ ከይተባኸነ ብቕልጡፍ ክዛዘሙ ይግበኦም ዝብል ኣንፈት ዝገልፅ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ምዕቡላት ሃገራት ኣብ ዝበፅሓኦ ብርኪ ንምብፃሕ ዝወሰደለን ግዘ ክንፀንሕ ከምዘይግበአና ብምሕባር፤ኣብ ሓደ ዓመት ከም ሓሙሽተ ዓመት ከምኡ እውን ሓሙሽተ ዓመት ድማ ከም 25 ዓመት ክንጥቀመሉ ኢና ኢሎም።
ልምዓት ኮሪደር፤ ዝተዛዘሙ ዝተፈላለዩ ፕሮጀክትታት ብቕልጡፍ ናይ ምስራሕ ውፅኢት ምዃኑ ተዛሪቦም፡፡
መንግስቲ ዘለውና ሃፍቲታት ብምረኣይ ብናይ ባዕልና ፍልጠትን ክእለትን ብምውሳኽ ሓዱሽ ነገር ምምፃእ ብዝብል ካልኣይ መገዲ ከምዝኽተል ኣረዲኦም፡፡
እቲ ሳልሳይ መገዲ ምህርቲ ምዕባይ ምዃኑ እዚ ድማ ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ኣፍራይነት ብምውጋድ ፍርያት ብብዝሒ ናብ ዕዳጋ ዓለም ንምቕራብ ዝዓለመ እዩ፡፡
ብተወሳኺ ኣብ ዓውዲ ዲጂታል ኣብ ሓደ እዋን 5 ሚሊየን ኮደርስ ብምስልጣን ዝተረኸበ ውፅኢት እውን ናይዚ መንገዲ መርኣያ ምዃኑ ኣብሪሆም።
ብሶስና ኣለማየሁ