Fana: At a Speed of Life!

ንተጠቃምነት ዜጋታት ዓብዪ ስትራተጂ መደመር ጋህዲ ንምግባር ክስራሕ እዩ – ኣፈ ጉባኤ ሙፈሪሀት ካሚል

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ) ዜጋታት ተጠቀምቲ ንምግባር ሰብ ተኮር ስራሕቲ ብምጥንኻር ዓብዪ ስትራተጂ መደመር ጋህዲ ንምግባር ብትኹረት ክስራሕ እዩ ኢለን ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሙፈሪሀት ካሚል።

እተን ኣፈ ጉባኤ ክሳብ ሕዚ ዝተወገኑ ስራሕቲን ኣብ ቀፃሊ ትኹረት ዝደልዩ ጉዳያትን ኣመልኪተን ምስ ኣባላት ኮሚቴ ኣወሃሃዲ እቲ ቤት ምኽርን ኣባላት ማኔጅመንትን ኣብ ዝገበረኦ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ እዩ እዚ ዝበላ።

ኣብ መደረአን ድማ ካብ ለውጢ መንግስቲ ንደሓር ቀመር ምክፍፋል ሓባራዊ ኣታዊታት ኣብ ምርምር ተመርኲሱ ክመሓየሽ ምግባሩ መንግስቲ ተጠቃምነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ዘለዎ ቁርፀኝነት ዘርኢ ምዃኑ ኣብሪሀን።

ኣብ ቀፃሊ እውን ትልምን ኣፈፃፅማን እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ዓብዪ ስትራተጂ መደመር ዝተሰማምዑ ክኾኑ ከምዘለዎም ኣገዳስነቱ ኣረዲኤን።

ኣብ 2050 ዓ.ም ዝተዋሃደት ኣፍራይትን ዝሰልጠነት ኢትዮጵያ ናይ ምህናፅ ራእይ ንምዕዋት ኩሉ ሰብ ብስምዒት ሓላፍነት ሰብ ተኮር ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ክሰርሕ ከምዘለዎ ሓበሬታ እቲ ቤት ምኽሪ የመልክት።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.