ንናይ ቀረባን ርሑቕን ፀላእቲ ንሕና ኢትዮጵያውያን ዘይመውት ስም እምበር ዘይመውት ኣካል የብልናን – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቀረባን ርሑቕን ብልፅግና ኢትዮጵያ ዝሳኻዕ ዘይመስሎም ናይ ቀረባን ሩሕቅን ፀላእቲ፣ ንሕና ኢትዮጵያውያን ዘይመውት ስም እምበር ዘይመውት ኣካል የብልናን ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)።
ዳግማይ ዓድዋ ዝኾነን መግለፂ ህብረ ብሄራዊነት ኢትዮጵያውያን ዝኾነን ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ህንፀቱ ተዛዚሙ ስነ ስርዓት ምረቓ ኣብ ጉባ ይካየድ ኣሎ፡፡
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ዓወት ኢትዮጵያ ዘተዓናቕፉ ናይ ቀረባን ርሑቕን ፀላእቲ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ “ንሕና ኢትዮጵያውያን ዘይመውት ስም እምበር ዘይመውት ኣካል የብልናን” ኢሎም።
ንሕና ኢትዮጵያውያን ኣካላትና ሞይቱ ዘይመውት ስም ንምትራፍ ዘይሞት ኣሰር ንምንባር እንተግህ ህዝብታት ኢና ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦም፡፡
ስለዝኾነ ምሳና ምጉናፅ ከይኾስ ምስምዕማዕ ጥራሕ እዩ ዘዋፅእ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ምኽንያቱ ንሺሕ ዘመናት ዝፈተንዎ ዋለ ሓደ ኣይተሳኸዐሎምን ኢሎም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
ስሉጥን እዋናዊን ሓበሬታ ንምርካብ፦
Website www.fanamc.com/tigrigna
Facebook FBC Tigrigna
YouTube www.youtube.com/@fmctigrigna
Telegram t.me/tigrignafana ይከታተሉና፡፡
ኩሉ ግዘ ምሳና ስለዝኾንኩም ነመስግን!