ንኹሉ ዝሓቁፍ መረፃ ንክኾን ዘኽእሉ ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም እዮም – ብሄራዊ ቦርድ መረፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) መበል 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ ንኹሉ ዝሓቁፍ መረፃ ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ ተሰሪሖም ኢለን ኣካቢት ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ ሜላትወርቅ ሃይሉ።
እቲ ቦርድ ንመረፃ ብዝተጣየሸ ፍሉይ ጣቢያታት መረፃ ዝተመዝገቡ መረፅቲ ኣብ መዓልቲ መረፃ ዝውሃቡ ኣገባባት ምስ ፖለቲካዊ ውድባት ዘትዩ።
ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ንውሽጣዊ ተመዛበልትን ወታደራዊ መዓስከራትን ምጥያሽ ፍሉይ መረፃ ጣቢያታት ከምኡ እውን ተማሃሮ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብመገዲ መርበብ ሓበሬታ መረፅቲ ምምዝጋቦም ይፍለጥ።
ኣካቢት እቲ ቦርድ ኣብቲ መድረኽ ከምዝበልኦ እቲ ቦርድ ኣብቶም ዝተጠቕሱ ከባቢታት ከይዲ ምውሃብ ድምፂ ብኸመይ ከምዝፍፀም ሰፊሕ መፅናዕትን ምድላዋትን እናገበረ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን።