ንዓቕመ ደካማታት ደገፍ ብምግባር ወገንነትና ከነርኢ ይግባእ – ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ዝኾነ ይኹን ማሕበራዊ ምትእስሳር ንዓቕመ ደካማታት ደገፍ ብምግባር ወገንነትና ከነርኢ ይግባእ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር።
ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ዘበን መለወጢ ሓድሽ ዓመት 2019 ኣመልኪቶም ኣብ ቤት ፅሕፈት እቲ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝርከቡን ትሑት ወርሓዊ እቶት ንዘለዎም ሰራሕተኛታትን ደገፍ ገይሮም።
ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ኣብቲ እዋን፤ ደገፍ ምግባር ውልቃዊ፣ ትካላዊ ከምኡ’ውን ሃገራዊ ሓላፍነት ምዃኑ ብምሕባር ደገፍን ብተግባር ከርኢ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።
ንሰራሕተኛታት ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ዝተገብረ ደገፍ እቲ ትካል ኣብ ዝኾነ ማሕበራዊ ምትእስሳር ውሽጢ ንትሑት እቶት ዘለዎምን ንዓቕመ ደካማትን ደገፍ ብምግባር ወገንነቱን ደጋፊነቱን ንምርኣይ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊፆም ክብል ሓበሬታ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣረዲኡ።