Fana: At a Speed of Life!

አይተ ነጋሽ ተወልደ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ብምዃን ተመሪፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2019 (ኤፍ ኤም ሲ)ነበርቲ ከተማ ዓዲግራት ሎማዓንቲ ኣብ ዘካየዱዎ መረፃ ኣይተ ነጋሽ ተወልደ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ብምዃን መሪፆም።

እቲ መስርሕ መረፃ ነበርቲ ምምሕዳር ከባቢኦም ብቀጥታ ድምፆም ኣመራርሓኦም ባዕሎም ንኽመርፁን ዘኽእል ተሳትፎ ህዝቢ ዘዕቢ ተበግሶ ምዃኑ ተገሊፁ።

እዚ ቀጥታዊ መረፃ ኣመሓደርቲ ተሓታትነት ኣመራርሓ ንምዕባይን ምምሕዳር ከባቢ ኣብ ድሌትን ተሳትፎን ነበርቲ ንኽምርኮስ ንምግባርን ዝዓለመ እዩ።

ብመሰረት እቲ ከይደ መረፃ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዎ ምምሕዳር ዝተጣየሸ እንትከውን፤ ነጋሽ ተወልደ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ዓዲግራት ብምዃን ተመሪፆም።

እዚ ብቀጥታ ህዝቢ ዝተመረፀ ምምሕዳር ስሩዕ መረፃ ክሳብ ዝካየድ ን6 ወርሒ ዝፀንሕ እዩ።

ብኤሊያስ ሚካኤል

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.