ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ዳግም ዓፂያቶ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዚያ፣ 2018 (ኤፍ ኤም ሲ)ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ዳግም ከምዝዓፀወቶ ኣፍሊጣ።
ትማሊ ኣብ ሞንጎ ሊባኖስን እስራኤልን ዝተገበረ ስምምዕነት ስዒቡ፤ ኢራን ንወሽመጥ ሆርሙዝ ንናይ ንግዲ መራኽብ ሙሉእ ብሙሉእ ክፍቲ ክኸውን ወሲና ዝነበረት ትኹን እምበር ሎሚ መዓልቲ ድማ ዳግም ከምዝዓፀወቶ ገሊፃ።
ሓይሊ ጦር እታ ሃገር ድጋሚ ነቲ ወሽመጥ ከምዝዓፀዎ መራኸብቲ ሓፋሽ መንግስቲ ኢራን ዝፀብፀባ እንትኾና፤ ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ዓለም ለኸ መራኽብ ንግዲ ልዑል ምትእጉጓል እናተርኣየ ይርከብ።
ነዚ ስዒቡ ሚነርቫ ኤቭሮፒ ዝተብሃለት ናይ ንግዲ መርከብ ሓዊሱ ኣብቲ መስመር ባሕሪ ዝነበራ ብዙሓት መራኽብ ጉዕዞአን እናቋረፃን ናብ ዝመፅኣሉ ኣንፈት እናተመለሳን ከምዝርከብ ቢቢሲ ፀብፂቡ።
ብሶስና ኣለማየሁ